Press Releases

ዋኒኑ፡ ብነሓሰ 3, 2021 ብኢሮብ ኣኒና ዝቐረበና ክሲታት መልስ ምሃብ ይምልከት፡

ብሄረሰብ ኢሮብ አብ ሰሜናዊ ምብራቅ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነብር፣ ዓርሱ ዝኸኣለ፤ ቋንቋን ባህልን መንነትን ዘሎዎ ህዝቢ ኮይኑ፤ ሐዚ ሐዚ ግና እዚ ብሄረሰብ ቋንቋኡን ባህሉን ካብ እዋን ናብ እዋን እንተሸርሸረ መፂኡ፤ ሎሚ ኣብ ናይ መንነት ቅልውላው ዝኣተወ መንእሰይ ወለዶ ተፈጢሩ፣ ብግልፂ ህልውናኡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓደጋ አትዩ ይርኸብ፡፡

ኢ.ኣ.አ. ብሄረሰብ ኢሮብ ከም ብሄረሰብ መንነቱ ሓሊዩ ኽቕፅል ኣለዎ ዝብል ራእይ ሒዞም ብዝተልዓሉ ውሱናት መናእሰይ ምሁራን ኢሮብ አብ መቐለ ብ2010 ዝተመስረተ ሃገር ቦቀል ሲቪል ትካል ምዃኑ ይፍለጥ። ኢኣኣ ምእንቲ ህልውና ብሄረሰብ ኢሮብን ብጠቅላላ‘ውን ምእንት ድህንነትን ህልውናን ህዝብታት ትግራይ ንክረጋገጽ ምስ ዝቃለሱ ናይ ተጋሩ ውዳበታትን አብ ክሊ ናይ አድቮካሲ ሕጊ ኮይኑ ንምስራሕ ምንም ፀገም ከምዘይብሉን ይሰርሕ እውን ምህላዉ፣ ርእሰ-ምምሕዳርን ረብሓን ትግራይ ክኽበር ኣለዎ ኢሉ ከምዝእምንን ከምዝቃለስን፣ ኣብ ትግራይ ቅድሚ 9 ወርሒ ዝተኣወጀ ኲናት ኣትሪሩ ከምዝኩንን፤ ንዙይ መርእያ ዝከውን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ብዘውፀኦም መግለፅታቱ መረገጺታቱ ቅሉዕ ገይሩ እዩ። https://www.advocacy.irobpeople.org/activities/press-releases

ኢ.ኣ.ኣ. ኣብ ደገ ገና ሕጋዊ ሰውነት ዘይብሉ፡ አብ ዓዲ መሰረት ብምግባር ኣብ ውሽጥ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝሰርሕ ዘሎ፡ ናይ ስቪላዊ ትካል ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ዝሰርሖም ስራሓውት’ውን በቲ ዘሎ ናይ እንተርነትን ቴለፎንን ጸገም እንተዘይኮይኑ ብግልጺ እናፍለጠ ዝመጸ ናይ ስቪል ትካል እዩ።

ኢ.ኣ.ኣ. ሐዚ እውን አቱ ዝተመስረተሉ ሲቪላው አሰራርሓ ተኸቲሉ፣ ሓደ ሲቪል ትካል ክኽተሎ ዘለዎ አሰራርሓ ኣኽቢሩ፤ መሰረቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ገይሩ ዝቃለስ ዘሎ ትካል እዩ። አብዙይ ብደምቢ ክፍለጥ ዘሎዎ፤ ኢኣአ ናይ ሲቭል አድቮካሲ ትካል ምስ ሙዃኑ አብ ክሊ እቲ መትከላዊ ናይ አድቮካሲ አሰራርሓን ሕጊን ተኸትሉ እዩ ዝሰርሕ እምበር አብ ዝዝደለዮ ዓይነት አክትቪዝም (activism) ኮነ አብ ናይ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ድፊኡ ንከይሳተፍ እቲ ሕጊ ኣድቮካሲ ይግድቦ እዩ፡፡ https://ruminating.org/news/advocacy-versus-activism-what-is-the-difference/

እዝይ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ውግእ አብ ሕዝብና ዘብጽሖ ዘሎ አበሳን ነቅ ዘይብል ቀውስን አብ ምቅናስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ ዝሰርሖም ስራሓውት ምውካስ ይከኣል እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ውሽጥን አብ ደገ እውን እንተኾነ፤ ብናይ ዲያስፖራ ሳፖርት ጉሩፕ ኣብሉ እቲ ውግእ አብ ምኩናንን ፤ሳዕበናቱን ገበርቱን ንዓለም ኣብ ምቅላዕን ብዙሕ ናይ ዲፕሎማሲን፤ ሚዲያን ስራሓውት ሰርሑ እዩ ይሰርሕ እውን አሎ።

ብዛዕባ ኣቦመንብር ኢ.ኣ.ኣ. አይተ ስዩም ዝቕርብ ዘሎ ኪስን ጸለመን በዕሊ እንኩንኖ ኮይኑ አይተ ስዩም ናይ ዝኾነ ፖለቲካ ፓርቲ አባል አይኮነን፤ ኣብ ድርጅትና ከም ኣቦመንበር ኮይኑ ዝሰርሐሉ ግዜ ብመሰረት ሕገ ደንቢ ድርጅትናን አዋጅን ንህይወቱ ከይሰሰዐ ምስ ካልኦት ፈፃሚት ስራሕ ኮይኑ ህዝቢ ናይ ምድሓን ስራሕ ሰሪሑ እዩ። አብ ናይ ፖሊቲካዊ ጉዳይ እውን ዘይኾነስ ኣብ ናይ ህዝቢ ኣገልጊሎትን ናይ ሕርሻን ብሮ እዩ ንዝተወሰነን ሓጺሪን ጊዜ ክሰርሕ ጸንሑ፡፡ እዙይ ከም ዘሎ ኾይኑ፤ አይተ ስዩም ብምክንያት ጻዕቅን በቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ጉጉይ ርዲኢትን ብምግንዛብ፡ ካብ ሓላፊነት ኢ.ኣ.ኣ ናይ ስራሕ መለቀቂ ሕቶ ቅድሚ ኣዋሪሕ አቕርቡ፤ ተቐባሊነት ረኽቡ እቲ ፕሮሰስ ተጀምሩ እዩ፡፡ ይኹንምበር ቅድሚ እቲ ናይ ኢኣአ ካውንስል ተአክቡ ሓዱሽ መራሒ መርጹ፤ ናይ ኦዲት ርፖርት ቀርቡ፤ ምርኽኻብ ስራሕ ቅድሚ ምፍጻሙ፤ አብ ትግራይ ናይ ሙሉእ መራኸቢ መንገድታትን ኩሉም ኣገልግሎት ተዓጽዮም፡ እት ካውንስል ኣድላይ ዝኾነ ለውጥ ንከሳልጥ ክሳብ ሕጂ እት ዘሎ ኩነታት ኣይፈቐደሉን። ፡፡ ሐዚ ውን እንተኾነ አብ መማረጽ ሓሳብ እናተመያይጥና ክምዘሎናን አብ ሓጽር ግዘ እውን ከምነፍልጠኩም ክንገልጽ ንፎቱ።

ስለዚ አብ አይተ ስዩም ኮነ አብ ካሎት ግዱሳት ኢሮበቶት ዝግበር ዘሎ፡ ብውዳበ ደረጃ ብመርሕነት ኢሮብ ኣኒና ዝተዋደደ ጊዜ ዘይሓለወን፡ ካብ ሓቂነት ዝረሓቐን ወፍሪ፡ ኾነ እልካ ኢኣአ ካብ ርእሲ ጀምርካ ንምውቃዕ ምዃኑ ክፍለጥ አሎዎ። እዚ ውፍሪ ምድኻምን ምጥፋእን ኢ.ኣ ኣ ከዓ ልዕሊ ኩሉ ንሕዝቢ ኢሮብ ስለዝጎድእን ብሓፈሻ ውን ከም ትግራይ እንገብሮ ዘሎና ሓፈሻዊን፡ ኩለመዳያዊን ቃልስና ዘዳኽም ስለዝኾነ፡ ብህጹጽ ጠጠው ክብል አሎዎ ንብል።

ገንዝብ ብዝምልከት እውን ተመሳሳሊ መሰረት ዘይብሉ ክሲ እዩ። ኢኣአ ካብ አባላቱ ብክፍሊት መልክዕ ይኩን፤ ንኮሮና ሓገዝ ካብ ሕ/ሰብ ኢሮብ ኣብ አካውንቱ ዝኣከቦ ገንዘብ ብዘይ አግባብ ዘጥፈአ ሓደ ቅርሺ የለን። አብ ዓዲ ዘሎ ኩነታት ተፈትሑ ኦዲት ምስዝግበር ኩሉ ንሕዝብና ዕላዊ ክግበር እዩ፡፡ ሐዚ ዝካይድ ዘሎ ናይ ተፈናቀልቲ ሓገዝ ምትእክካብ እውን ናብ ዓዲ ዝበፅሓሉ መገዲ ምስዝክፈት አብቲ ዕላማኡ ክውዕል እዩ። ስለዚ እንተኾነ ምሕጋዝ ንቡር እዩ፤ እንተዘየለ ዕንቅፋት ዘይምዃን ንብል፡፡

ኣበ መጨረሻ፤ ዝኸበርኩም ህዝብታት ትግራይ፤ ከምኡ እውን ፈትውት ትግራይ፤ ኢ.ኣ.ኣ ምሳካትኹም ኣብ ቃልስ ምርግጋጽ ህልውናን ድሕንነትን ሓዲነት ትግራይ ከምዘሎ ብምርዳእ፤ ኢ.ኣ.ኣ ዝምልከቱ ሕቶታት፤ ሓሳብ ኮነ ርእቶ ዘለኩም ንስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኢ.ኣ.ኣ. ወይ ከዓ ብስራሕ ፈፃሚት ሕጋዊ ውክልና ንዝተውሃቦም ናይ ኢ.ኣ.ኣ. ዲያስፖራ ድጋፍ ኮሚቴ ተውከልቲ ክትውክሱ ከምትኸእሉ ብትሕትና ነፍልጥ። ብዛዕባ ኢ.ኣ.ኣ. ኮነ ስራሕቱ ዝርዝር ሓበረታ እንትደልዩ ከዓ ድረ-ገፅና ክትውከሱ እናዓደምና፤ ንውዳበ ኢሮብ ኣኒና እወን ንሕና ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ክንሰርሕ ንኽእል እልና ንኣምን፤ እትገብሩዎ ዘለኹም ጊዜ ዘይጠልቦ ወፍሪ ምጥፋእን ምድኻምን ትካልና ኢ.ኣ.ኣ. ብሓፈሻ ቃልስ ህዝብታት ትግራይ ዘዳኽም፤ ሓዲነት ህዝብናን ህልውና ህዝብ ኢሮብ ዘብርስ እምበር ረብሓ ዘይቡሉ ውፍሪ ስለዝኾነ፤ ብህጹጽ ደው ንከትብሉ ነተሓሳስብ። https://www.advocacy.irobpeople.org/home

ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢ.ኣ.ኣ.)

ነሓስ 5፤ 2021

እዋናዊ መግለፂ ካብ ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ)

ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢ.ኣ.ኣ) ካብ ዝምስረት ክሻብዛ ዕለት ካብ ደገን ውሽጢን ብዙሕ ፈተና እናገጠሞ ዝተጉዓዘን ዝጎዓዝን ዘሎ ሲቪል ማሕበር ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኲናት ካብ ዝእወጅ ንደሓር እቱ ብደገ ዝግበር ፀቅጢን ሽርሕን ከምዘሎ ኮይኑ፣ ካብውሽጢ ዝግበር ተቃውሞ፣ ኣንፃሩ ቅስቀሳን ስም ምጥፋእን ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ሶሺያል ሚዲያን ብውሽጣውሽጥን ብሰፊሑ ይቕፅል ስለዘሎ፣ ብፍላይ ኣብዙ ሐዚ እዋን ኢ.ኣ.ኣ ኣካል ብልፅግና ኢዩ፣ እቱ ኣቦ ወንበር ኢ.ኣ.ኣ ኣባል ናይ ብልፅግና ኢዩ ዝብል ዘመቻ ይደጋገም ስለዘሎ፤ እቶም ፈሊጦም ንኢ.ኣ.ኣ ንምድኻምን እልካውን ንምጥፋእ ዝሰርሑ ዘለዉ ከምዘለዉ ኮይኖም ፤ ንቶም በትክክል ኢኣኣ እንታይ ይሰርሕ ከምዘሎ በብእዋኑ መብረሂ ዘይሃብናዮም ወገናትና እቱ ትክክለኛ ስእሊ ኢኣኣ ንኽረኽቡ እቱ ኲናት ድሕሪ ምውላዕ፤ ትካልና ኢ.ኣ.ኣ ኣብ ምንታይ ኣተኲሩ ይሰርሕ ክምዝነበረን ዘሎን ግልፂ ምግባር የድሊ።

ኢ.ኣ.ኣ ከም ሐደ ሲቪል ትካል ካብ ምስረታኡ ክሻብ ሎሚ እቱ ናይ ሲቪል ትካል ክኽተሎ ዘለዎ አሰራርሓን መርሕን ተኸቲሉ እቱ ኲናት ዘብጸሖ ከቢድ ሰብኣዊን ማተሪያላዊን ጉድኣት ብዝምልከት በብእዋኑ መግለፅታት አውፂኡ ኢዩ፣ ንዝርዝሩ https://www.advocacy.irobpeople.org/activities/press-releases ምርኣይ ይከኣል።

ኢ.ኣ.ኣ ኣብቱ ዕላማኡን ራእዩን ብግልፂ ተቐምጡ ከምዘሎ ዋና ዝተመስረተሉ ምክንያት ህልውናን ረብሓን ብሄረሰብ ኢሮብ ምሕላው ስለዝኾነ ቕድሚ ኹሉ ህልውና ህዝቢ ኢሮብ ሰሪዑ ኣብክሊ እዙይ እዩ ሰሪሑ/ይሰርሕ እውን ዘሎ። ኩላትና ከምእንፈልጦ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝነብር ህዝብና ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብቲሕቲ ‘ሴፍቲነት’ ሓገዝ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ምስ ምዃን እቱ ኲናት ምስተጀመረ ህዝቢ ኢሮብ ብህፁፅ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ኣብታ ወረዳ ዝነብር ህዝብና ቅድሚ ኩሉ ብጥሜት ዝውደኣሉ ኩነታት ኢዩ ተፈጥሩ። ስለዝኾነ ድማ ህልውና ህዝቢ ኢሮብ ምሕላው እቱ ዋና ዓላማይ ኢዩ ዝብል ዝኾነ አካል ህፁፅ ሓገዝ ንህዝብና ዝርከበሉ መንገዲ ምንዳይ ቅድሚ ኩሉ ቃልሲ ክስራዕ ዝግበኦ ዝኾነሉ ኩነታት ኢዩ ተፈጢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ጊዚያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ምንቅስቃስ ምስ ጀመረ፡ ብዝተወሰነ ደረጃ ናይ ተለፎን አገልግሎት ምስተጀመረን ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኢ.ኣ.ኣ ብተለኮንፈረንስ ብምርኻብ ፤ህይወት ህዝብና ንምድሓን ብተግባር ክውሰዱ ኣብ ዘለዎም ስጉምቲታት ተዛቲዮም፤ኩነታት ህዝብና ብምግምጋም፤ዋላ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ውን ሴፍትነት ተቓርፁዎ ብጥሜት ንኽጥቃዕ ንዝተቓረበ ህዝብና ህፁፅ ናይ ምግብ ሓገዝ ዝረኽበሉን፤ እቱ ሓገዝ ናብቱ ወረዳ ዝበፅሓሉ መላ ንምፍጣርን ምይይጥ ተገይሩ፣ ንዙ ስራሕ ድማ ኣቦወንበር ኢ.ኣ.ኣ ሓላፍነት ወሲዱ ንክንቀሳቐስ ተገይሩ።

ኣቦወንበር ኢ.ኣ.ኣ፤ ምስ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳይን ቅድመ-ምክልካል ሓደጋን ድሊውነትን ሓለፍቲ፡ ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ “የአደጋ ስጋት ስራ አመራር ኮምሽን ኮሚሽነር” ብምርኻብ ቅድሚ ኸሉ ህዝብ ኢሮብ ሓገዝ ንክርከብ ገይሩ፣ እዙ ዝተረኽበ ሓገዝ ብቕልጡፍ ናብ ወረዳ ኢሮብ ንክበፅሕ ድማ ሓላፍነት ዝወስድ አካል ክህሉ ናይ ግድን ስለዝነበረ ካብ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ አባልነት ነፃ ዝኾነን ኣብዙ እዋን ኲናት ዘይሻራዊ ኮይኑ ክስርሕ ዝኽእልን፤ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዊ ዝኾነን ወዲ ዓዲ ብምድላይ፤ ብሽማግለ ዓዲን መራሕቲ ሓይማኖትን እውን ተቐባልነት ረኺቡ ንክፀድቕ ተግይሩ፤ ብጊዜያዊ ምምሕድዳር ክልልን ዞባን ኣፍልጦ ረኺቡ፤ እቱ ዝተረኽበ አርዳታ እዚ ውፉይ ወዲ ዓዲ ብዘጣየሾም ናይ ወረዳ ካብኔን መራሕቲ ቁሸታትትን ኣብሉ ወረዳ ኢሮብ በፂሑ ንህዝቢ ክከፋፈል ተገይሩ።ዝተፈላለየ ሓገዝ ናብ ትግራይ ድሕሪ ምምፃእ ድማ፤ ወረዳ ኢሮብ ቅድሚ ኩሉ እቱ ዝግባእ ህፁፅ እርዳታ ክትረክብ ተገይሩ፣ በዚ መሰረት ከዓ ኣብ ኢሮብ ናይ ሰለስተ ወርሒ እርዳታ ንኹሉ ብዘማእኸለ መንገዲ ንኽባፃሕ ተኻእሉ እዩ።

በተወሳኺ፡ጊዜያዊ ፀገማት ኮነ ሕሉፍ ፀገማት ብሄረሰብ ኢሮብ ንዝምልከቶም ዓለም ለኸ ትካላትን ሚዲያን ኣብ ምፍላጥን ኣድላዪ ክትትል ኣብ ምግባር እውን ኢ.ኣ.ኣ ዕዉት ስራሓውቲ ሰሪሑ ኢዮ።

ናይ ወረዳ ኢሮብ ጌዜያዊ ምምሕዳር ብካቢነ ደረጃ ምስ ተመስረተ እውን፤ ኢ.ኣ.ኣ ከም ስቪላዊ ትካል ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት እናተናበበ ህዝብና ካብ ጥሜት ተዓንጊሉ ክነብር ኣብ ምግባር፣ ህዝብና ኣብ ምርግጋዕን፣ እቱ ኣብ ባይታ ዘሎ ባዕዳዊ ሰራዊት ካብቱ ዘብፅሖ ጉድኣት ንላዕሊ ከየብፅሕ ኣብ ምክልኻል፣ እቶም ብባዕዳዊ ሰራዊት ፤ስድራ ምልሻ ብምባል ዝተፈላለየ ተፅዕኖ ዝግበረሎም ዝነበሩ ወገናት ችግር ብምቅላልን ብምፍታሕን፣ እቱ ኣብ ባይታ ዘሎ ህዝብና ክምስክሮ ዝኽእል ስራሓውቲ ተሰሪሖም ኢዮም።

ስለዝኾነ ኢኣኣ ካብቱ ዓላማኡን ራእዩን ምንም ፈንተት ከይበለ እቱ ዝጀመሮ ሲቪላዊ ቃልሱ ሐዚውን ከምዝቕፅል፣እቱ ናይ ሲቭል ማሕበራትን ትካላትን አሰራርሓን ሕግን ብዝፈቅዶ መሰረት ንህዝብታት ትግራይ ድምፂ ኮይኑ ከምዝቕፅልን፤ ንዝኾነ ሓላፍነት ክውሰደሉ ዝግባእ ጉዳይ ከም ውዳበ ሓላፍነት ክምዝውስድን እናፍለጥና፣ ሐዚ ኣቦ ወንበር ኢ.ኣ.ኣ ነፅልካ ንምውቃዕ ዝግበር ሸርሒን ተንኮልን ብዝለዓለ ደረጃ ክምእንኩንኖ ንኹሉ ግልፂ ክንገብር ንፈቱ።

ብተወሳኺ ናይ ኢ.ኣ.ኣ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኣይተ ስዩም ዮሃንስ ንድሕነት ህዝቡ ህይወቱ እውን ኣብ ሓደጋ ኣእቲዮ ቤዛ ህዝቡ ዝሰርሐን ሓዚ ውን ዝሰርሕ ዘሎ እምበር ናይ ማንም ፖለቲካ ውድብ ኣባል ዘይምዃኑን፣ ኣብ ልዕሊኡ ኮነ ኣብ ካልኦት ኣባላት ኢ.ኣ.ኣ ዝግበር ዘሎ ፀለመን ስም ምጥፋእን ብዝለዓለ ደረጃ ከምእንቃወሞን፤ ክሻብ መጨረሻ እውን ክምእንቃለሶን ንገልፅ።

አብ ከምዙይ ዓይነት ካብ ኢሮባዊነት ዝረሓቀ ፀይቂ አቶክሮም ይሰርሑ ንዘሎዉ ግለሰባት እውን ናብ ዉነኩም ተመለሱ ንብሎም። ኣብ መወዳእታ ንኢሮበቶት ብሓፈሻ እዙ ዝስዕብ ምሕፅንታን መተሓሳሰብን ክነሕልፍ ንፈቱ።

1. ኢ.ኣ.ኣ ሰብ ብዝደለዮ መንገዲ ተወዲቡ ምቅላስ መሰሉ ከምዝኾነ ብፅኑዕ ይኣምንን የኽብርን፣ እዙይ ከምዙይ እናሃለው እዙ ብሓደ ሓደ ወገናት ሕብረሰብና ዝረአ ዘሎ ምጥልላፍ፣ ስም ምጥፍፋእን ጠጠው ኢሉ ኩላትና ብዝመሰለና መንገዲ ምእንቲ ህዝብና ንክንቃልስ ክነተሓሳስብ ንፈቱ።

2. ኣብ ማሕበራዊ መራኺቢ፤ ኣብ ልዕሊ ግለሰባት ኣባላትና ኮነ ትካልና ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ውልቀሰባት ዝግበር ዘሎ ፀለመ፣ ናብ ህዝቢ እውን ወሪዱ ኣብ መንጎ ህዝብና ፅባሕ ብቐሊሉ ክንሕክሞ ዘይንኽል በሰላን ቅርሕንትን ክገድፍ ከምዝኽእል ፈልጥና እቱ ዝሓለፈ ይኣክል እልና ጠጠው ንኽብል ንምሕፀን።

3. ኣብ ዝኾነ ዓይነት ውዳበ ፀገማት እንተርእና፤ እቱ ጌጋ እንብሎ ብቱ ዝፀንሐ ምዕቡል ባህልና መሰረት ሃናፂ ዝኾነ መፍተሒ መላታትና ተጠቕምና ክንፈትሖም ክንፅዕር ከምዘለና ክነተሓሳስብ ንፈቱ።

4. ኣቱም ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፤ ምሁራን ኢሮብ፤ ስቪልን ስቪክን ትካላትን፣ ቁፅሩ ዘይነዓቕ መናእሰይና ባህሉን ናይ ኢሮባዊነት መንነቱን ረስዑ ግጉይ መንገዲ እናኸደ እናረአኹም ሱቕታን ማዕዶ ኮይንካ ምምልካትን ምትዕዛብን ገዲፍና፣ እቱ መንእሰይ ካብ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኢሮብ ብዘፈንገጠ መንገዲ ክኸይድን ክትርእይዎ ከሎኹም ንቱ ዝጋገ ዘሎ ትጋገ ኣሎኻ ክንብሎን፣ እቱ ትክክለኛ ኢሮባዊ አፈታትሓ ፀገማት ክነርእዮምን፡ክንምህሮምን ክንመርሖምን ከምዝግበኣና ንምሕፀን/ነተሓሳስብ።

ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን

ሓምለ 23 2013 ዓ.ም.

ኢኣኣ ኲናት ኣብ ትግራይ ካብዝውላዕ ዝፈፀሞም ዋና ዋና ስራሓውቲ

መተሓሳሰቢ፣

ኢኣኣ ከም ሓደ ሲቭል ማሕበር ካብ ምስረታኡ ጀሚሩ ግልፂ ገይሩ ዘቕመጦ ዓላማኡን ራእዩን መሰረት ኣብዙ እዋን ኲናትን ፅበባን እውን ህልውና ብሀረሰብ ኢሮብ ብኹሉ መዳይ ንምሕላው ኣብ ፃዕሪን ስራሕን እናሃለወ፣ ንማንም ከይተንከፈ ኣብ ስራሑ ኣተኲሩ እናሰርሐ እናሃለው፣ “ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕረሰብ” ኢና ዝብል ጉጅለ ዝተፈላለየ ጊዜ ስም ኣባላት ኢኣኣ ምፅላም፣ ኢኣኣ የለን እናበሉ ብፅሑፍን ብድምፅን ይቕፅልሉ ስለዘሎዉ፤ ከምቱ ኣብ መንጎ ናይ ዲያስፖራ ኣባላት ዝተፈጠረ ፀገምን ኣፈላላይን እንታይ ከምዝነበረ ድሕሪ ብዙሕ ሱቕታ ንህዝቢ ይፋ ክንገብር ከምዝተገደድናዮ፣ ኣብዙ እዋን ኲናትን ፀበባን እውን ኣባላት ኢኣኣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ህይወቶም እውን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣብ ወረዳ ኢሮብ ናይ ዝነብር ህዝብና ህይወት ኣብ ምድሓን ዘተኮረ ዝተሰርሑ ስራሓውቲ ኣሕፅር ኣቢልና ክንገልፅ ንፈቱ።

ሀ. ኢኣኣ አብ ውሽጢ ዓዲ ኲናት ኣብ ትግራይ ካብዝውላዕ ዝፈፀሞም ዋና ዋና ስራሓውቲ፣

1. ክልትኦም ሓይልታት (ፌደራልን ክልልን መንግስታት) እቱ ኲናት ምስተጀመረ ንቱ ችግር ብሰላማዊ ዘተን ድርድርን ንኽፈትሑ፣ ድሕንነትን ህይወት ሕ/ሰብናን ንብረትን ዓቢይ ከለላ ክገብሩን ዘተሓሳስብ መግለፂ በቲ እዋን ኣብ መቐለ ብዝነበረ ድምፂ ወያነ ትግራይ ቴለቪዥን ኣመሓላሊፉ፣

2. ብቱ ኲናት ህይወትን ንብረትን ሲቪላዊያን ኢሮብ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ሰዓት ዝተፈጠሩ ጥሕሰት ሰብአዊ መሰላትን ማሕበራዊ ቅልውላውን ንዓለም ማሕበረሰብ አፍልጡ፤

3. እቲ ኩነታት ስዕቡ ዝመፀ ጥሜት ዓቢይ ትኹረት ተዋህቡዎ አመራርሓ ኢኣኣ ምስ ዝተፈላለዩ በዓል ግደ ኣካላት ብፍላይ ምስ ኢፌዴሪ እርዳታ መተሓባበሪ ኮሚሽን ብምዝርራብ ህዝብና ውሱን ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ንኽረክብ ተገይሩ፤

4. ህዝቢና ዘረጋግኦን ዘመሓድሮ ምምሕዳር ስእኑ ፈቖዶ በረኻ ተበትኑ ዝእክቦ ኣብ ዝሰኣነሉ ጊዜ እዋናዊ ምምሕዳር ኣብ ምትካል ኢኣኣ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ርኡይ ተራ ተፃዊቱ፤

5. ምስ ዓለምለኸ ትካላት ከም ኣብነት፤ ምስ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቐል ፣ ዶብ ኣልባ ሓካይም (MSF) ብምዝርራብ ጣቢያታት ጥዕና ወረዳ ኢሮብ ዝተወሰነ ሕክምናዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ተገይሩ፤

6. ንዝተፈፀሙ ጨፍጫፍን ጥሕሰት ሰብዓዊ መሰላትን ብሚድያታት ንኽሓልፍን ብዓለምለኸ ትካላት ትኹረት ንክረክብን ተገይሩ፤

7. ዝርዝር ፀብፃብ ጥሕሰት ሰብዓዊ መሰላት ህዝቢ ኢሮብ ተፀኒዑ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት፤ ንሰብዓዊ መሰላት ጉባዔን ንሰብዓዊ መሰላት ኮሚሽንን ኢትዮጵያ ንኽቀርብ ተዳልዩ ይርከብ፤

8. ኢ ኣ ኣ እቲ ኩናት አብ ህዝብና ዘስዕብ ዘሎ ብርሰትን ግፍዕን ብዝምልከት ምስ ካብ 7 ንላዕሊ ዝኮኑ ዓለም ለከ ትካላት ሰብአዊ ድርጅታት ብአካልን ብመርበብ ሓብረታን ተራክቡን ዘድሊ ሓበረታ አቅርቡሎም’ዩ፤

9. ብተምሳሳሊ ኢ ኣ ኣ ምስ 6 ዓለም ለከ ትካላት ሚዲያ’ውን ተራክቡ እቲ ኩናት አብ ሀዝብና ዘስዕቦ ዘሎ ብርሰትን ኣብ ንፁሃን ሲቪላዊያን ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ንዓለም አጋውሑን ንኽጋዉሑ ሓብረታ አቅርቡሎምን’ዩ፤

10. ኢ ኣ ኣ ምስ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ወረዳ ኢሮብን ብተደጋጋሚ ተራክቡ ብዛዕባ ኩነታት ሕዝቢ ኢሮብ ዘድሊ ሓበረታ እናቕረብ ህዝብና ክሕገዝን ክረጋጋእን ውጽእታዊ ስራሕ ሰርሑ’ዩ፤

ለ. ብወፃኢ ደረጃ ብኢኣኣ ሳፖርት ግሩፕ እናተሓገዘ ዝፈፀሞም ስራሓውቲ፣

1. ናብ ዓዲ ንዝጓዓዙ ናይ ዓለም ለኸ ጋዜጠኛታትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ምስ ኢ ኣ አ ኣብ ዓዲ ንምሪኻብ (networking) ብዙሕ ሰሪሑን/ይስራሕ እውን ኣሎ፤

2. ናይ ባዕሉ ቲውተር፤ ወብሳይቲን ፈይስቡክ ተጠቅሙን ምስ ናይ ካሎት ተጋሩ ማሕበራት መከተ (https://omnatigray.org/irob-kunama/) ተቀናጅዩን፤ ኣብ ኢሮብን መላእ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊያን ዝፍፀም ዘሎ ገበን ኲናት (war crimes) ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት (crime against humanity) ናብ ዓለም ንኸበጽሕ ሰፍሕን ዑዉትን ዘመተ (campaign) ገይሩ፤

3. ምስ ዝምልከቶም ዓለም ለከ ትካላትን ጋዜጠኛታትን ብሽም ኢ ኣ ኣ እናተራክበ (virtual meetings) ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኢሮብ መብራህርሂን ናይ መፍትሄ ሓሳባትን ሂቡን/ይህብን አሎ፤

4. ኢ አ አ ኣብ ወፃኢ ንምምዝጋብ ይሰርሕ አሎ፤

5. ካብ ዓዲ ብዛዕባ ተፈናቐልቲ ኢሮበቶት (Irob IDPs) እዚ ኩናት ሓብረታ ብምትእክካብን ብምቅንባርን (ፕሮሰስ ብምግባር) ብመርበብ ሓበረታ ንዓለም የጋውሕ አሎ፤ (https://youtu.be/O87chiESjrM)፤

6. ኣብ ዓዲ ንዝተፈናቐሉ ኢሮበቶት (Irob IDPs) ሓገዝ ዝውዕል ፋንድረይዚንግ የተሓባብር ኣሎ፤(https://www.advocacy.irobpeople.org/campaign#h.5ocbz4sqv5ac)

7. እቲ ልዕሊ ዓመት ተደኽሙሉ ተሃኒፁ ዝነበረ ናይ ኢ ኣ አ ወብሳይት፤ ብሓደ ግለሰብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምዕፃዉ፤ እንደገና አስርሑ ንሕዝቢ ዕላዊ ተገይሩ (https://www.advocacy.irobpeople.org/)፤

ኢ ኣ ኣ ዓለም ለከ ድጋፍ ቡድን

ሓምሌ 14፣ 2013

በኢኣኣ የዲያስፖራ አባላት መካከል የተፈጠረው ልዩነት ሲቃኝ

ማሳሰቢያ

ይህ “በኢኣኣ የዲያስፖራ አባላት መካከል የተፈጠረው ልዩነት ሲቃኝ” በሚል ርእስ በኛ በኩል የተዘጋጀው መግለጫ ፈብሩዋሪ 11 2021 “ኣብ ውሽጢ ኢኣኣ ዝተፈጠሩ ችግራት፣ ውሳኔታትን ቅዋምን ኢኣኣ ዲያስፖራ ከምኡውን ንዝተፈጠሩ ችግራት መፍተሒ እንንብሎም ሓሳባት ቀፃሊ ኣንፈት ውድብና ብዝምልከት” በሚል ርእስ ራሱን ኢሮብ ኣኒና ሲቪልማህበረሰብ ብሎ በሚጠራው ቡድን ተዘጋጅቶ ለተሰራጨው መግለጫ መልስ ኣፕሪል/ሚያዚያ ላይ ተዘጋጅቶ የነበረ ቢሆንም፣ ነገሮች ይሰክኑ ይሆናል፣ እነዚህ ወገኖቻችን የስም ማጥፋትና ኢኣኣ ከስሟል ዘመቻን አቁመው በስራቸው ላይ ያተኩሩ ይሆናል በሚል ተስፋና ምኞት ስራችን እየሰራን ለህብረተሰቡ ይፋ ሳናደርገው ከ2 ወር በላይ አቆይተነው ነበር። አለመታደል ሆኖ ግን ያ ተስፋችን/ምኞታችን አልሰመረም። በኢሮብ ኣኒና ገና ከጅምሩ በፅሁፍም በድምፅም ኢኣኣን ማጠልሸትና ማህበሩ ከስሟል ዘመቻው ቀጠለ፣ ጁላይ 17 2021 ባዘጋጁት የዙም ስብሰባም፣ (ዝርዝሩን እዝህ (https://fb.watch/6Q6EAMnVah/ ገብታችሁ ማዳመጥ ትችላላችሁ፣) ያ የተለመደው ዘመቻ እንደተለመደው ቀጠለ።

ስለሆነም አንባቢዎች የእነሱን እንደተመለከታችሁት ሁሉ የኛንም ተምልክታችሁ የራሳቸው ፍርድ እንዲትሰጡበት በኛ በኩል የተፈጠሩ ችግሮችና ልዩነቶች የምንላቸው እነሆ እንላለን፣ በዚህ ጉዳይ ሆነ ከልዩነት በኋላ ኢኣኣ ምን እንደሰራና (https://drive.google.com/file/d/1390c1pknajNNkk4gxnefW4wKX4zNK4RK/view) እየሰራ እንዳለ ዝርዝር ማብራሪያ እንዳስፈላጊነቱ እንደምንሰጥበትም ለማሳሰብ እንወዳለን።

-------------

በ ኢ ኣ ኣ የዲያስፖራ አባላት መካከል የተፈጠረው ልዩነት ሲቃኝ!

የኢኣኣ አባላት በዲያስፖራ በተደራጀ መልክ ለማሰባሰብ ኦክቶበር 12/2019 በተጠራው የመጀመሪያ የአባላት ስብሰባ የተመረጠው አመራር ኮሚቴ 15 አባላት የያዘ ነበር። 3 የአመራር አባላት በተለያየ ምክንያት አሳውቀው ከአመራር ራሳቸውን ስላገለሉና ከሰሜን አመሪካ (አመሪካና ካናዳ) ተጨማሪ የአመራር አባላት መጨመር ያስፈልገን ስለነበረ በፈብሩዋሪ 2020 ልዩ የአባላት ስብሰባ ተጠርቶ፤ በነበሩት 12 ላይ 7 (5 ከሰሜን አመሪካ፤ 2 ከአውሮፓ) ተጨምረውበት የአመራር ኮሚቴ ቁጥር ወደ 19 አደገ። አንዳንዱ የኮሚቴው አባላት በጠቅላላ የኮሚቴው ስብሰባዎችም ሆነ በተመደቡበት ንኡስ ኮሚቴ ስብሰባዎች ሳይገኙ የመቅረት ሁኔታ ይዘወተር ነበር፡፡ በተቀረ በትግራይ ውስጥ ጦርነት እስከጀመረበት ጊዜ ድረስ በወር አንድ ጊዜ በሚደረግ ቋሚ ስብሰባ እየተገናኘን በመግባባት፤ የምያከራከሩ ነጥቦች ስነሱም በአግባብ ተነጋግረን እየፈታን በርካታ ሥራዎችን አከናውነናል።

የዲያስፖራ አመራር ኮሚቴ ራሱን በሶስት ንኡሳን ኮሚቴዎች፣ ማለት 1. ሰክረታሪያት፣ 2. ድርጅትና ፋይናንስ፣ 3. ሚዲያና ህዝብ ግኑኝነት አዋቅሮ፣ ለእያንዳንዱ ንኡስ ኮሚቴ ውስጠ ደንብ አዘጋጅቶ በነበረው የዓቅም ውስንነትና በስደት ኑሮ ካለው የግል ስራ ጋራ ድርጅቱን የመመራት ስራም ተደራቢ አድርጎ መስራት የፈጠረው አስቸጋሪነት ምክንያት መስራት የሚገባው ያህል ባይሰራም፣ በኮሚቴው አባላት መካከል ጥሩ መግባባትና መረዳዳት ነበር። አንዳንድ የሃሳብ ልዩነቶች ሲነሱም በውይይት እየተፈቱ ሥራው ቀጥሎ ነበር። በዚህ መሰረትም በኦክቶበር 17/2020 በተጠራው መደበኛ ስብሰባ በሰክረታሪያት

1. ድርጅታዊ ዘገባና በንኡሳን ኮሚቴዎች በወሩ የተከናወኑ ተግባራት ሪፖርት

2. የኦገስት 19 ቃለ ጉባኤ ማፅደቅ

3. የኦገስት 19 ውሳኔዎች ክትትል

4. መርህና ተግባር መመሪያ + አድቮካሲና አክቲቭዝም ላይ የቀረበው ፅሁፍ ወደ አባላት የሚወርድበት መንገድ መወሰን

5. የአባላት ጠቅላላ ዓመታዊ ጉባኤ ጊዜ መወስንና አዘጋጅ ኮሚቴ መመደብ

6. ካለው ነባራዊ ሁኔታ አንፃር ከፈደራልና ክልል መንግስታት ጋራ ሊኖረን የሚገባው ግኑኝነት ምን መምሰል አለበት፣

7. የተሰሩ ስራዎች ዓመታዊ ግምገማ ይበልጥ ባጋጠሙ ችግሮች፣ ድክመቶችና ስህተቶች ላይ በማተኮር ማካሄድ የሚሉ አጀንዳዎች ቀረበው ሰፊ ውይይት ተደርጎባቸው በጥሩ መግባባት ውሳኔዎች ተላልፈው ነበር። በተለይ አጀንዳ ቁጥር 5ን በተመለከተ፣ የአባላት ዓመታዊ ስብሰባ ለኖቨምበር 28 2020 እንዲሆን፣ በአመራር ደረጃ ለስብሰባው ማቅረብ ያለብን አጀንዳም፣

1. የአመራር ሪፖርት፣

2. በሪፖርቱ ላይ ለሚቀርቡ ጥያቄዎች፣ ሃሳቦች/አስተያየቶች መልስ መስጠት፣

3. የአመራር ምርጫ ማካሄድ፣

የሚሉ እንዲሆኑና ከአባላት የሚቀርቡ አጅንዳዎች ካሉ ድርጅትና ፋይናንስ ኮሚቴ ባስቸኳይ አሰባስቦ እንዲካከቱ፣ ሁሉም ንኡሳን ኮሚቴዎች ሪፖርታቸው ባስቸኳይ ለሰክረታሪያት እንዲያቀርቡ፣ በሚለው በሙሉ ድምፅ ስምምነት ላይ ተደርሶ ለኖቨምበር 28ቱ የአባላት ዓመታዊ ስብሰባ ዝግጅት ላይ እያለን ያልተገመተው ጦርነት በትግራይ ላይ ኖቨምበር 3 ታወጀ፣ ከሃገረቤት/ከስራ ፈፃሚት ኮሚቴ ጋራ ግኑኝነትም ተቋረጠ።

በዚህ ዓይነት ሁኔታ ላይ እያለን በአንዳንድ አባላት ስሜታዊነትና ቁጣ ከቀን ወደ ቀን እየጨመረ መጥቶ፣ በግልም በአባላት የመወያያ መድረክም ኢኣኣ በጦርነቱ ላይ ያለው አቋም ያሳውቅ፣ ኢኣኣ ለህዝብ ድምፅ መሆን አለበት. . . ወዘተ የሚሉ ሃሳቦች በተከታታይ መቅረብ ጀመሩ፣ ይህ የአባላት ጥያቄና ሃሳብም በአንዳንድ የአመራር አባላትም በአባላት መድረክ በግልፅ መቅረብ ጀመረ። አንዳንድ የአመራር ኮሚቴ አባላትና አንዳንድ አባላት ኢኣኣ ጦርነቱ በትግራይ ህዝብ ላይ የኢትዮጵያ መንግስትና የኤርትራ መንግስት በተቀናጀ ደረጃ ያወጁት የዘር ማጥፋት ጦርነት ነው በሚል አውግዞ መግለጫ ማውጣት አለበት የሚል አቋም ገና ጦርነቱ እንደተጀመረ መግፋት ጀመሩ፣ ይህ ሃሳብም በአብዛኛው የአመራር አባላትም እየተገፋ ሄደ።

በዚህ ጊዜ 4ቱ የስክረታሪያት አባላትና አንድ ከሚዲያና ህዝብ ግኑኝነት፤ 5ታችን ማለት ነው፤ ኢኣኣ እንደ ሲቪል ድርጅት በትግራይ ላይ የታወጀው ጦርነት እንዲቆምና ሁሉም ተፋላሚ ወገኖች በጠረጴዛ ዙሪያ ችግሩን በሰላማዊ መንገድ በድርድር እንዲፈታ ከመጠየቅና በስቪሊያን ላይ እየደረሰ ያለውን ግዲያና ግፍ አውግዞ አቤት ከማለት ያለፈ አንድን ወገን አውግዞ አቋም መያዝ ሆነ፣ የዚህን ዓይነት አንደምታ ያለው መግለጫ ማውጣት አይችልም፣ ሌላ መታወቅ ያለበት ነገር ደግሞ እኛ ዲያስፖራ ያለን አባላት፤ የድርጅቱ የሃገርቤት መስራቾችና አመራሩን ከመደገፍ ያለፈ መስራሮቹ ዛሬ ያሉበት ሁኔታ በማይታወቅበት ጊዜ፣ የሃገርቤቱ አባላት ህይወትን ሁሉ ለአደጋ ሊያጋልጥ የሚችልና ከአድቮካሲ አስራርና መርህ ውጭ የሆነ የዚህ ዓይነት መግለጫ በኢኣኣ ስም ለማውጣት ስልጣን የለንም የሚል አቋም ተያዘ፡፡

ጦርነቱ ኖቨምበር 3 2020 እንደተጀመረ ሳምንት እንኳን ባልሞላ ግዜ ውስጥ፤ የሰክረታሪያት አባላት ሃላፊነቱን በመውሰድ “ጦርነት መፍትሄ ቢሆን ኖሮ፣ በጦርነት ውስጥ አንኖርም ነበር” በሚል ርእስ መግለጫ ተዘጋጅቶ ለውይይት ለጠቅላላ አመራር መድረክ ላይ አቀረበ። በመግለጫው ይህ ይጨመር፣ ይህ ይስተካከል በማለት ሰፊ ክርክር ከተደረገበት በኋላ መግለጫው ኖቨምበር 10 እንዲወጣ ተደረገ። የእንግሊዝኛ ትርጉሙም ወዲያው ቀጠለ። በመግለጨው ላይ ሰፊ ክርክር ካነሱ ነጥቦች ዋነኛው ነጥብ የፈደራል መንግስት ትግራይ እንደ ትግራይና ህዝቧን ለማጥፋት ጦርነት የከፈተ ወራሪ ሃይል ነው የሚል በግልፅ ይቀመጥ፣ የኤርትራ ሰራዊት ጣልቃ ገብነት በግልፅ ተቀምጦ ይወገዝ የሚሉ በአንድ በኩል፣ በ5ቱ በኩል ደግሞ በትግራይ ላይ የታወጀውና እየተካሄደ ያለው ጦርነት ማውገዝና እንድቆም መጠየቅ፤ በሲቪልያንና በንብረት ላይ እየደረሰ ያለው ውድመት እንዲቆም መጠየቅ፤ ሁሉም ተፋላሚ ወገኖች ዓለም አቀፍ የጦርነት ህግ እንድያከብሩ ማሳሰብ ወዘተ ባለፈ፣ በዚህ ጦርነቱ ገና እየተጀመረ ባለበትና አስፈላጊ መረጃዎች ከታማኝ ምንጮች ለማግኘት ባልቻልንበት ወቅት፣ ኢኣኣን ወክለን የሚባለውን ዓይነት ይዘት ያለው መግለጫ ማውጣት አንችልም የሚል የአቋም ልዩነት በግልፅ ተከሰተ፡፡

ከህዳር 1 2013 እስከ ሜያዝያ 29 2013 በኢኣአ ድሂረ ገፅ ብቻ ስለ ጦርነቱ የውጡ 7 መግለጫዎች እዝህ ያገኛሉ።

ይህ በእንዲህ እንዳለ ኖቨምበር 15 በተደረገው መደበኛ ስብሰባችን ከ19 አባላት አስሩ (10) በተገኙበት፤ የዕለቱ ብቸኛ አጀንዳ በዚህ የጦርነት ሁኔታ ውስጥ እንዴት እንቀጥል፣ ምን እንስራ የሚል እንዲሆን ተደርጎ በአጀንዳው ሰፊ ውይይት ተደርጎ የሚከተሉት ውሳኔዎች በሙሉ ስምምነት አልፈዋል።

1. በዚህ ሁኔታዎች በቶሎ በሚቀያየሩበት የጦርነት ወቅት 19ታችን እየተሰባሰብን እየወሰንን መስራት ስለማይቻል ሰክረታሪያት ሃላፊነቱን ወስዶ በኢኣኣ ህገደንብና ዓላማ መሰረት አስፈላጊ እርምጃዎች እንዲወስድ፣ የድርጅቱ ዓላማና የሲቪል ማህበረሰብ አሰራርና መርህን በማይጥስ መልኩ አስፈላጊና ለህዝባችን ድምፅ የሚሆኑ መግለጫዎችን እንዲያወጣ፣ ለሚመለከታቸው መንግስታት፣ የሰብአዊ መበት ድርጅቶች፣ ሚዲያ አቤቱታ እንዲያቀርብ፣ ከተለያዩ የተደራጁ የኢሮብ ቡድኖች ጋራ በመገናኘት ለኢሮብ ህዝብ የሚደረግ አስቸኳይ እርዳታ ማሰባሰብ ስራ የሚቀላጠፍበት መንገድ እንዲያፈላልግ፣

2. የተቀሩ የኮሚቴው አባላት የኢ ኣ አ ኣባላትን ስለሁኔታው እንዲያስረዱ፣ ላልተወሰነ ጊዜ በጦርነቱ ምክንያት መደበኛ ስራና እንቅስቃሴ እንደቆመ ለአባላት እንዲያስረዱ፣ለኢሮብ ህዝብ ኣስቸኳይ እርዳታ በማሰባሰቡ ስራ አባላት የራስ ተነሻሽነት (ኢኒሸቲቭ) በመውሰድ እንዲሳተፉ እንዲያበረታቱ በሚለው ስምምነት ላይ ተደረሰ፡፡

ይህ በእንዲህ እያለ ከአባላት ሆነ ከውጭ በነበረው ግፊት በኮሚቴው የዋትስፕ ግሩፕ ብዙ የተለያዩ ሃሳቦች/አስተያየቶች እየተነሱ ክርክሩ ቀጠለ። ኖቨምበር 26/ ህዳር 17 “አስቸኳይ ጥሪ” በሚል ርእስ በ4ቱ የሰከረታሪአት አባላት የተዘጋጀው ሁለተኛ መግለጫ ለተቀሩት 3ቱ የሰክረታሪያት አባላት ሃሳብ እንድሰጡበት፤ በሰክረታሪያት የዋትስ አፕ ግሩፕ ለአጭር ሰዓት ለጥፈን ከተቀሩት የሰክረታሪያ አባላት የተቃውሞ ሃሳብ ስላልተነሳ፤ ከ7ቱ የሰክረታሪያት አባላት 4ታችን ስለተስማማንበትና የመግለጫው መልእክት የምመለከተው ደግሞ የፈደራል ሰራዊት መቐለ ከተማን ለመያዝ በቅርብ ርቀት ከቦ በጠቅላይ ሚንስተሩ የተሰጠው የ72 ሰዓታት ማብቅያ እየተጠባበበቀ የነበረበት ሰዓት ስለነበረ ወደ ሌሎች የአመራር ኣባላት ሃሳብ እንዲሰጡበት ሳንልክ በኖቨምበር 15 ውሳኔ መስረት ለህዝብ ይፋ (ፓብሊክ) ተደረገ፡፡

ይህ መግለጫ በአማራር የዋትስፕ ግሩብ ላይ ከፍተኛ ክርክርና ጭቅጭቅ አስነሳ። አንድ የመራር አባልም መግለጫውን ወደ ቁልቁል ገልብጦ በአባላት ግሩፕም በመለጠፍ ይህ መግለጫ አመራር የማይወክል የግለሰቦች ነው እስከማለት ተደረሰ። ከአመራር ማኸልም አራት (4) አባላት ተለይተው በሰፊው ተወገዙ፣ በ4ታችን በኩል መግለጫውን የኖቨምበር 15ቱ ውሳኔ መሰረት ከሁኔታው አስገዳጅነት ጋራ በተያያዘ ነው ቶሎ እንዲወጣ ያደረግነው፣ የኖቨምበር 15 ውሳኔ ተሽሯል ካላችሁ በኮሚቴው ምልዓተ ጉባኤ ውሳኔ መሰረት የሚሰጠንን ቅጣት ለመቀበል ዝግጁ ነን፣ ከንግዲህ ለምናዘጋጃቸው መግለጫዎች በጠለቀና አሳታፊ ውይይት መሰረት እንድሆን እንስማማና ይህን በዚህ እንለፈው የሚል ሓሳብ አቀረብን። በሌላው ወገን አመራሩ ሳይወያየበት ፓብሊክ ማድረግ አልነበረባችሁም፣ ይህ እናንተ የምትፈልጉትን እንደፈለጋችሁ የምታደርጉ መሆኑን ነው የሚያሳየው የሚሉ ሃሳቦች ከመደጋገም ውጭ በመግለጫው ይዘት ላይ ይህ መስተካክለ ነበረበት፣ ይህ ጎድሏል በሚል ምንም የቀረበ ሃሳብ አልነበረም።

ከዚህ በኋላ በአመራር ውስጥ ፀረ አራቱ (4ቱ) አባላት የሚደረገ ቅስቀሳና እንቅስቃሴ በስፋት ቀጠለ። በብዕር (በህቡእ) ስም በአራቱ የአመራር አባላትና የተወሰኑ የኢ ኣ ኣ አባላት በስም በመዘርዘር የብልፅግና አባላት ናቸው፣ የግል አቋሞቻቸው በኢኣኣ ስምና ሽፋን የሚያራምዱ ናቸው በማለት በሶሺያል ሚዲያ በማውጣት ግልፅ ዘመቻና ዛቻ ተጀመረ፡፡ የኖቨምበር 15 ስብሰባው ውሳኔ በአግባብ ሳይሻር ሰክረታሪያት ሃላፊነቱን እንዳይወጣ ተደርጎ በየሳምንቱ በአስቸኳይ ስብሰባና ጭቅጭቅ አመራሩ እንዲጠመድ ተደረገ፡፡

በአራቱ (4) የአመራር አባላት በኩል ከሃገርቤት ጋራ (ከስራ ፈፃሚት ኮሚቴ) ጋራ ግኑኝነት እስከሚፈጠር ከሲቪል ድርጅት አሰራርና መርህ ሳናፈነግጥና በድርጅታችን ህጋዊ ህልውናና በሀገረቤቱ አባላት ችግር በማይፈጥር መልኩ ለህዝቡ ድምፅ እየሆን የዲፕሎማሲና የሎቢ ስራዎችን እንቀጥል፣ በመካከላችን በተፈጠርው የሃሳብ ሆነ የአቋም ልዩነት ጥልቅና ቀጣይ ውይይት እንቀጥል፣ በኮሚቴም በግለሰብ ደረጃም አሉ በምንላቸው ችግሮች/ድክመቶች ተገቢ ግምገማ ማድረጉን እንቀጥል፣ በሚገባ ተገማግመን ችግሮቹ/ድክመቶቹ ነጥረው ከተቀመጡ በኋላ፣ ሪፖርት በተገቢ ደረጃ አዘጋጅተን ከጨረስን በኋላ፣ በጦርነቱ ውስጥ ብንሆንም የአባላት ስብሰባ እንጥራ እያልን እስከ ዲሰምበር 19 ቀጠልን።

በዚህ ሁኔታ ወስጥ እያለን በወቅቱ ከትግራይ ክልል ውጭ ከነበረውና የእንተርነትም የተለፎንም ግኑኝነት ከነበረው የስራ ፈፃሚት ኮሚቴ ፀሃፊ ጋራ ግኑኝነት ማድረግ ተችሎ ስለነበረ ሁኔታውን እንዲከታተልና ሃሳብ እንዲሰጥ በ4ታችን በኩል ጠየቅን። እሱም በሁለቱም በኩል የነበረውን ልዩነት ከተረዳ በኋላ አሁን ከሱ ውጭ ያሉ የስራ ፈፃሚቲ ኮሚቴ ኣባላት ሆነ ሞላው የካውንስሉ አባላት በሙሉ ትግራይ ውስጥ በመሆናቸው፣ ምንም ግኑኝነት ለማድረግ እንዳልተቻለ ገልፆ እንድንረጋጋ፣ ለህዝባችን የአስቸኳይ እርዳታ ማሰባሰብ ላይ አተኩረን እንድንሰራ፣ በመካከላችን በተፈጠረው ልዩነት ላይ ጥልቅ ውይይት እንድናደርግ፣ ተገቢ ግምገማ እንድናደርግ፣ ከሁለት ጊዜ በላይ በፅሁፍ ቢማፀንም ከሌላኛው ወገን ተሰሚነት አላገኘም። አንዳንዶችም ፀሃፊው ሆነ አጠቃላይ የስራ ፈፃሚት ኮሚቴ በዲያስፖራ ስራና አሰራር አያገባቸውም፣ እስከማለትም ተደረሰ። ከሌላው ወገን የነበሩ የኮሚቴው ኣባላትም ለነዚህ ወገኖች በዝምታ ማለፍ መረጡ። ይህ ደግሞ የዲያስፖራ አመራር ከድርጅቱ መስራቾች ውጭ ራሳቸውን እያደረጉ መሆናቸውና ኢኣኣን እነሱ በሚፈልጉት መንገድ ለመዘወርና ለመቆጣጠር እየሰሩ መሆናቸውን ግልፅ እየሆነ መጣ።

ይህ በእንዲህ እንዳለ በአንድ የኮሚቴው አባል ጠያቂነት ሰከረታሪያት የምንቀይርበት አስቸኳይ ስብሰባ ይጠራልን ጥያቄ ቀርቦ በአብዝሃ ድምፅ ስለተደገፈ ለዲሰምበር 19 2020 ሰክረታሪያት ለመቀየር ስብሰባ ተጠራ። በዚህ ስብሰባም ሰክረታሪያት የመቀየር መብት የአመራሩ ቢሆንም እንዲቀየሩ የተባሉ የሰክረታሪአያት አባላት ምን ስላጠፉ/ስላጎደሉ ነው ለመቀየር የተፈለገው፤ ከግለሰቦች መቀየር በፊት በኮሚቴም በግለሰብ ደረጃም ሰክረታቲያት ሆነ አጠቃላይ አመራር ግምገማ መቅደም አለበት በማለት 4ቱ የሰክረታሪያት ወገን መከራከርያውን አቀረበ። ይህ ግን በተቃራኒው ወገን ተቀባይነት ሳያገኝ ቀረ። ከተገቢ ግምገማ በፊት ሰክረታሪያት ይቀየር የሚለው የብዙሃን አመራር ኮሚቴ ውሳኔ ከሆነ እሺ ለመቀየር ዝግጁ ነን፣ ሆኖ ግን በዛሬው ስብሰባ ከ19ኙ የኮሚቴው አባላት የተገኘን 10 ብቻ ስለሆን፣ የሰክረታሪያት አባላት በቂ ግምገማ ተደርጎ የያንዳንዳችን ስህተትና ችግር በግልፅ ሳይቀመጥ እንዲህ በጥድፊያ መሆነ የለበትም የሚል አቋም የያዝን 4፣ በሌላው በኩል ግን ዛሬውኑ አዲስ ሰክረታሪያት ይመረጥ የምትሉ 6 ብቻ ስለሆናችሁ፣ይህ ዓይነት ጉዳይ ደግሞ 50+1 በሚለው ስምፕል ማጆሪቲ ሊወሰን ስለማይችል ስብሰባው ለሌላ ጊዜ ይተላለፍና ሁሉም የኮሚቴ አባላት እንዲገኙ ሁላችንም ጥረት እናድርግ በማለት ሃሳብ ሃሳብ አቀረብን።

ይህን ጊዜ እናንተ ሁል ጊዜ ሰበብና ምክንያት እየደረደራችሁ ነገር ለመጎተትና እናንተው እንደፈልጋችሁ እየወሰናችሁ ለመቀጠል ስለሆነ የምትፈልጉት ሰክረታሪያት ይቀየር የሚለው ቀርቶ አጠቃላይ አመራር እንዲቀየር አስቸኳይ የአባላት ስብሰባ ይጠራ የሚል ሃሳብ በአንድ አባል ቀረበና 4 ለ 6 በሆነ ድምጽ ጠቅላላ ጉባኤ እንዲጠራ ተባለ። በ4ቱ በኩል ስብሰባ በጦርነቱ ምክንያት ስለተራዘመ እንጂ የአባላት ዓመታዊ ስብሰባ ለኖቨምበር 28 እንዲካሄድ ተወስኖ እንደነበረ የታወቃል፤ የአባላት ስብሰባ መጠራቱ ላይ ልዩነት የለም። በመሰረቱ የአመራር ለውጥ መደረግ እንዳለበት ስምምነት እንዳለ ሆኖ፣ የአባላት ስብሰባ ከመጠራቱ በፊት በአመራር ደራጃ መሟላት ያለባቸው ስራዎች ተሟልተው ነው የአባላት ስብሰባ መጥራት ያለብን በሚለው በፅኑ ስለምናምን አሁን አስቸኳይ የአባላት ስብሰባ አመራር ለመቀር በሚል ብቻ ከምንጠራ እንደ አመራር መስራት ያለብን ስራ እንጨርስ፣ ተገቢ ሪፖርት እናዘጋጅ፣ ግችሮቻችን/ድክመቶቻችን በግልፅ ለይተን እናስቀምጥ በማለት በድምጽ አናሳው ወገን ተከራከረ። በ6ቱ በኩል ይህ በፍፁም አይሆንም እናንተ ባትፈልጉም እምቢ አንጠራም ካላችሁ እኛው ራሳችን የአባላት ስብሰባ እንጠራለን በማለት ስለገፉ ተከፋፈልን የተለያየ ሃሳብ ወደ አባላት በማውረድ አባላትን ላለማወዛገብ በሚል የስብሰባው መጠራት ተገደንም ቢሆን ተቀበልን ቀኑ መቼ ይሁን በሚለው እንወስን ተባለ። አንድ ሁለት በማግስቱ እሁድ ዲሰምበር 20 ስብሰባው ይጠራ አሉ፣ የተቀሩት ደግሞ በቀጣዩ ሳምንት ዲሰምበር 25/የፈረንጅ ልደት ቀን ይሁን አሉ፣ በመጨረሻ ከብዙ ክርክር በኋላ ለጃንዋሪ 2 2021 የአባላት አስቸኳይ ስብሰባ ይጠራ በሚለው ተወሰነ።

ጃንዋሪ 2 ና 9 የተጠሩ የዲያስፖራ አባላት አስቸኳይ ስብሰባዎችና ውጤታቸው፣

የስብሰባው ጥሪ ከዲሰምበር 20 ጀምሮ በድረ-ገፃችን፣ በአባላት የዋትስፕ ግሩፕና በተለያዩ የኢሮብ ግሩፖች ተለጠፈ። በስብሰባው ዕለት ግን በመዝገብ ከተያዙት 112 ኣባላት የተገኙት 25 ብቻ ነበሩ። በዕለቱ በስብሰባው የነበርን 12 የአመራር አባላት ውጭ አድርገን በአባላት ደረጃ የተገኙት ካየን 13 አባላት ብቻ ነበሩ ማለት ነው ። ለዕለቱ በነሱ በኩል የቀረበው ብቸኛ አጀንደ አመራር መቀየር የሚል ሲሆን በአራቱ (4ቱ) የአመራር አባላትና በተወሰኑ ጥሪውን አክብረው ለስብሰባ ከመጡ አባላት በኩል በመጀመሪያ ኮረም አልተሟላም፣ ቀጥሎ ደግሞ ወደ አመራር መቀየር ከመሄዳችን በፊት አመራር ለአባላት የተሟላ ሪፖርት ማቅረብ አለበት፣ ሪፖርቱን በሚገባ ተመልክተን ከገመገምን በኋላ ነው ወደ አዲስ አመራር ምርጫ መሄድ ያለብንና ዛሬ የተገናኝነው ስለ ወቅታዊ ሁኔታና በዚህ በጦርነት ወቅት ምን መስራት አለብን በሚለው ሃሳብ ተቀያይረን ኮረም የሚሞላ ሌላ ስብሰባ እንዲደረግ ለዚህ መስራት አለብን የሚል ሃሳብ ቀረበ። በሌላ በኩል ደግሞ የኮረም ጥያቄ መነሳት የለበትም፣ ሌላ ስብሰባ ቢጠራም ከዚህ ቁጥር በላይ ላይቀርብ ስለምችል በዚህ ባለነው ወደ አመራር ምርጫ እንግባ የሚል ሃሳብ ቀረበ። ሁለቱ ሃሳቦች ለማቀራረብ ረጅም ሰዓታት የፈጀ ክርክር ቢደረግም ለመቀራረብ አልተቻለም፣ ሰዓቱ በጣም ገፍቶ ስለነበረና መጀመሪያ ላይ ከተገኙት 25ቱ ወደ 10 የሚሆኑት እየተንጠባጠቡ ወጥተው ስለነበር ስብሰባው ተቋርጦ ከአንድ ሳምንት በኋላ እንዲቀጥል ስምምነት ላይ ተደረሰ፣ ለዕለቱ አጀንዳዎችም

1. የአመራር ሪፖርት ማድመጥ፣ 2. የአመራር ግምገማ፣ 3. የአመራር ምርጫ እንዲሆኑና የስብሰባው ዕለትም ጃንዋሪ 9 እንዲሆን ተወሰነ።

ጃንዋሪ 9 በደረገው ስብሰባ የተገኙት አባላት ቁጥረ ከጃንዋሪ 2ቱ በ3 ጨምረው 28 ነበሩ። የጃንዋሪ 9ኙ ስብሰባ ከጃንዋሪ 2ቱ የተለየ የሚያደርገው ሌላ ምክንያት ደግሞ በወቅቱ ከትግራይ/መቐለ ከተማ ጋራ የስልክ ግኑንነት ተጀምሮ ስለነበረ የኢኣኣ ሊቀመንበር ላጭር ደቂቃም ቢሆን ተሰብሳቢውን ስለወቅቱ ሁኔታና ዲያስፖራ መከተል ስላልበት አቅጣጫ መመሪያ ለመስጠት መቻሉ ነበር። ከሊቀመንበሩ አጭር ማብራርያ በኋላ ስብሰባ ሲመራ የነበረ አባል ሪፖርቱ በአባላት ፎረም ቀርቦልን እዛው የተወያየንበት ስለሆነ አሁን በቀጥታ አመራር ግምገማና ምርጫ ወደሚለው አጀንዳ እንግባ በማለት ሃሳብ አቀረበ። በኛ በኩል ሊቀመንበሩ ከአባላት በአባላት ፎረም ለተነሱ ጥያቄዎች መልስ እንዲሰጥ ፍላጎት የነበረ ቢሆንም በሌላኛው ወገን በቀጥታ ወደ አጀንዳው ገብተን ውይይቱ እንዲጀመር ስለተገፋ ሊቀመንበሩ ወጥቶ ስብሰባው ቀጠለ።

የዕለቱ ሰብስባቢ ጠቅለል ባለ መልኩ አመራርን ገምግመን ወደ ምርጫው እንዲንገባ ሃሳብ ያላችሁ ሃሳብ ስጡ ሲል አንድ ሲኒየር አባል አካሄድ በማለት ጠይቆ ዕድል ሲሰጠው በዚህ ስብሰባ ትክክለኛ ግምገማ ለማካሄድ ስለማይቻል ይህ ስብሰባ ሁለቱ ወገኖች የሚስማሙበት አንድ ጉዳዩን በሚገባ አጥኖ ፕሮፖዛል የሚያቀርብልን ኮሚሽን/ኮሚቴ መርጠን ኮሚሽኑ/ኮሚቴው ከሁለቱም በኩል ያለውን ሃሳብ በሚገባ አስባስቦ የማጣራቱን ስራ ይስራ እሰከዛው ድረስ እኛ ዲያስፖራ ያለን ትላንትና ጃናዋሪ 7 በስራ አስፈፃሚ ኮሚቴ “ካብ ኢኣኣ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ” በሚል ርእስ በወጣው መግለጫና ሊቀመንበሩ በሰጠን መመሪያ መሰረት ባሉት የሰክረታሪያ አባላት ላይ ችሎታው ያለችሁ ተጨምራችሁ በሰክረታሪያት አሁን ተጀምሮ ባላለው በዲፕሎማሲና ሎቢ ስራ ላይ ብትቀጥሉ፣ ለዛሬ ግን ለህዝባችን መሰበብሰብ ያለበት የአስቸኳይ ጊዜ እርዳታ ማሰባሰብ ስራ ላይ እኛ የኢኣኣ ኣባላት ምን መስራት እንዳለብን ተወያይተን ብንልለያይ የሚል ሃሳብ አቀረበ። ይህ በ4ቱ በኩል የሚደገፍ ሃሳብ ስለነበር በዚህ አካሄድ እንደምንስማሙ አሳወቁ። በስብሰባው ሊቀመንበርና የሱ ሃሳብ ሲገፉ በነበሩት በሌላ በኩል የነበሩ ግን ዛሬ የተሰበስብንለት ዋነኛ ዓላማ አመራርን ገምግሞ መተካት ስለሆነ በዚሁ መሰረት ነው መቀጠል ያለብን በሚለው ገፉ።

የኮረሙ አለመሟላት እንዳለ ሆኖ፣ “ካብ ኢኣኣ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ” በሚል ርእስ የስራ አስፈጻሚ ኮሚቴ ያስተላለፋቸው ውሳኔዎችና በሊቀመንበሩ የተሰጠው የስራ መመሪያ እንዳለ ወደ ጎን ተትቶ የዕለቱ ሊቀምንበርና የተወሰኑ ግለሰቦች እነሱ በሚፈልጉት መንገድ ለመሄድ መግፋቱን ቀጠሉ። በአራቱ አመራሮችና በተወስኑ አባላት ይህ አካሄድ ትክክል አይደልም፣ አሁን ስራ አስፈጻሚ ኮሚቴ የወሰነው ውሳኔና የሊቀመንበሩ መመሪያ መከተልና ማክበር አለብን በማለት ተከራከሩ። ሆኖም ግን ሁለቱ ሃሳብ ወደ ማኽለ ማምጣት/ማስታረቅ የሚቻልበት ሁኔታ ለመፍጠር አልተቻለም።

ስለሆነም ከረጅም ሰዓታት ሙከራ በኋላ፣ ከተገኙት አባላት ከ10 በላይ የሚሆኑት እየተንጠባጠቡ ከወጡ በኋላ፣ አመራር በኣፋጣኝ መተካት አለበት የሚለው ወገን ያለ ምንም መግባባት በአቋሙ በመግፋቱ ለረጂም ሰዓታት ውኃ ቅዳ ውኃ መልስ ዓይነት እስከ መደፋፈር ደረጃ የሚደርስ መዘላለፍ ውስጥ የመገባት አዝማሚያም በመከሰቱ፣ ጉዞው የሚፈልጉዋቸው ሰዎች አመራር ብለው በማስቀመጥ ኢኣኣ እኛ ነን ወደሚለው እየተንደረደሩ መሆኑ በግልፅ እየታየ ከሄደ በኋላ አራቱ የአመራር አባላት በወቅቱ በስብስባው የነበሩትን አባላት በማሳወቅ ከስብሰባው ለመውጣት ተገዷል፣ በዛን ሰዓት በስብሰባው የቀሩት ኣባላት 13 የነበሩ ሲሆኑ ከነዚህም 8ቱ በአመራር በኮሚቴ የነበሩና ስብሰባውን ጥለው ለመውጣት በተገደዱ ኣራቱ መሪዎች ላይ ክስ እያቀረቡ የመጡ፤ ከ5ቱ አባላት ደግሞ 2ቱ የአባልነት ዓመታዊ ክፍያ እንኳን ያልከፈሉ ከመሆናቸው በላይ በስመ አባልነት ቀንደኛ አባላትን ስያወዛግቡና በኢኣኣ ላይ ሲሰነዘሩ የነበሩ የኪሴታ አጀንዳዎችና ሃሳቦች ሲመሩ የነበሩ ነበሩ።

አራቱ የአመራር አባላት ከወጡ በኋላ ሁኒታው ያሳሰበው ኣንድ አባል፤ እባካችሁ ይህንን ነገር በደምቢ እንየው፤ ኣሁን እዚህ የቀራችሁ ግለሰቦች በዚህ መልክ ቀጥላችሁ ውሳኔ ካሳለፋችሁ የኢሮብ ሕ/ስብ የሚከፍልና ድርጅቱንም (ኢኣኣ) የሚጎዳ ነው የሚሆነው፤ ስለዚህ ለዚህ ጉዳይ ሌላ ጊዜ በዛ ያለ ኣባል የሚሳተፍበተ ስብሰባ ጠርተን መፍትሔ ብንፈልግለት ይሻላል በማለት ኣቤቱታ ኣቅርቦ ነበር፡ ሌላ አንድ ተሳታፊም ለዚህ ተማጽኖ የድጋፍ ድምጽ አሰምቶ ነበር። ቢሆንም ሃሳቡ ሰሚ እንደሌለው ካወቀ በኋላ እሱም ስብሰባውን ጥሎ ወጣ፣ ከሱ ማውጣት በኋላ በስብሰባው የቀጠሉት 12 ግለሰቦች ከዚህ 8ቱ ስብሰባው ጥለው የወጡ 4 ቱ ከሳሾጭ፣ 2 የባልነት ግዴታቸውን ያልተወጡና 2 አባላት ብቻ በቀረቡት ስብሰባ ነው 5 አባላት ያሉበት አመራር ኮሚቴ መርጠናል ብለው ያወጁትና ከ112 አባላት 12 ብቻ በተገኙበት በኢ. ኣ. ኣ, ዲያስፖራ ስም የተደረገው ውሳኔ ህጋዊነትም (legitimacy) ሆነ ብቃት (validity) ያልነበረው መሆኑ መታወቅ አለበት።

ኢ ኣ ኣ የዓለም አቀፍ ድጋፍ ቡድን

ሓምሌ 11፣ 2013

መብራህርሂ ካብ ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢ ኣ ኣ)

ቀዳም 16 ሚያዝያ 2013 ዓ. ም. (April 24th, 2021) ኣብ ዓሲምባ ሜዲያ ነትዎርክ (AMN) “ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢ ኣ ኣ) የለን፤ ስምን አርማን ናይ ኢ ኣ ኣ ብምቅያርን ‘ሓደ ሓደ ምምሕያሻት’ ብምግባርን ነቲ ድርጅት ወርስናዮ እና” ዝብሉ ውልቀሰባት ከምዝነበሩ ክንዕዘብ ክእልና አሎና፡፡ ኢ ኣ ኣ ክሳብ ሐዚ ምንም ዓይነት መልሲ እንካብ ምሃብ ተቖጢቡ ዝፀንሐ፣ ቅድም ክብል ጀሚሩ ኣብ መርበባት ማሕበራዊ መራኸብቲ ዝንዝሑ ንዝነበሩ መሰረት_አልቦ መጸለምታታት ዝወሃብ መልሲ ስለዘይነበሮ ዘይኮነስ፤ ኩሉ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰል ስለዘለዎን፤ ዝቀርቡ ሓሳባት አብ መርትዖን መረዳእታን ዝተደረኩ እንተደአ ኮይኖም ጠቀምትን ን ድርጅትና ዘጠናክሩን እንመሃረሎምን ክኾኑ ይክእሉ ብዝብል ሰናይ አረኣእያ ካብምዃኑ ብተወሳኺ፤ አብዚ ሕጂ ሰዓት ናይ ኩላትና ሙሉእ ተኩረት ብኩሉ መዳይ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ካብ ካልእ ብዝክፈአ መልክዑ ተንፀላልዎ ንዘሎ ህዝብና ኣብ ምድሓን ክኸውን ከምዘለዎ ስለንአምን እውን እዩ። ሙሉእ ትሑዝቶ ናይቲ መግለፂ

ካብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዝተውሃበ መግለጺ

ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ብዕለት 16/03/2011 ዓ/ም ብዉሱናት ግዱሳት ደቂ ኢሮብ ኣብ መቐለ ተመስርቱ ብዕለት 16/11/2011 ዓ/ም ካብ ኤጄንሲ ትካል ስቭል ማሕበረሰባት ፌደሪኢ ብኣዋጅ ቁጽሪ 1113/2011 ሙሉእ ሒጋዊ ኣፍልጦ ተዋህቡዎ ኣብ ምንቅስቃስ ዝርከብ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ውግንና ፍፁም ነፃን ገለልተኛን ዝኾነ ሃገር ቦቆል ስቭል ማሕበር ምዃኑ ይፍለጥ።

ኢኣኣ ተፀዋዕነቱ ንጠቅላላ ጉባኤ ብዝኾነ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ጥራሕ ዝምራሕ፣ ብሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መተሓዳደሪ ደንቢ ዘለዎን፣ ኩሎም ውሳኔታት ብመሰረት እዚ መተሓዳደሪ ደንቢ ዝትግብርን ስቭል ማሕበር እዩ።

እዚ ስቪል ማሕበር ዝተመስረተሉ እዋን ኣዚዩ ፈታኒን ኩለመዳይ ፀገማት ክልልናን ሃገርናን ዝተበራከቱሉን ዋላኳ እንተነበረ ትካልና ኣብ ዕሽል ዕድሜኡ ብዘለዎ ዓቅሚ ኩሉ ፀገማት ህዝቢና ኣብ ምቅላዕን መፍትሒታት ኣብ ምንዳይን ፀንሑን እናቀፀለሉ ድማ ይርከብን። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ትካል ብዙሓት ፈተናታት እናጋጠሙናን ከከም ኣመፃፅኣኦም ምላሽ እናሃብናሎምን ፀንሕና እና።

ትካልና ኢኣኣ ፀገማት ህዝቢ ኢሮብ መፍትሒታት ክርከበሎም ዝክእል ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩለን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ተወለድትን ፈተወትን ህዝቢ ኢሮብ እንተሓቢሮምን ብሓደ ልቢ ንሓደ ዓዲ እንተሰርሖምን እዩ ዝብል ፅኑዕ መትከል ኣለዎ። በዚ ምክንያት ድማ ተወላዲ ኢሮብ ኣብ ዘለዎ ኩሉ ቅርንጫፍ ንምክፋት ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ዝሓትት ኮይኑ ስለዝተረከበን እዋኑ ብሙሉእ ዓቅምካ ንምንቅስቃስ ዝዕድም ስለዘይኮነ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ኢሮብ ብደረጃ ሰክሬታሪያት (ድያስፖራ ሰክሬታሪያት) ተወድቦም ቀጥታ ብስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ክመሓደሩን በቢእዋኑ ብስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ዝወሃቡዎም ሓላፊነታት ብዝግባእ ክትግብሩን፤ በዚ ኣብሎም ድማ ሓድነቶም ክሕይሉን ዝከኣሉዎ ዘበለ ንህዝቦም ክሕግዙን ተወስኑ ብዝግባእ እናተሰረሓሉ መፂኡ እዩ። ኣብ ወፃኢ ዝርኸቡ ተወለድቲ ኢሮብ እውን እዚ ብዝግባእ ተረድኦም ኣባላት ሰክሪታሪያት ኮሚቴ ብምሓራይ ኣዚዩ ውዕውዕ ብዝኾነ መንገዲ ብተግባር፣ ብሓሳብን ብገንዘብን ንህዝቦም እናሓገዙ ፀንሖምን ይሕግዙን ኣለዉ፤ እዚ ኣዚዩ ዝምስገንን ዝድነቅን ተግባር ንቀፃሊ እውን ከይተሸራረፈ ክቅፅል ልባዊ ለበዋና እዩ።

ትካልና ኢኣኣ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ድሪጅታዊ ዓቅሙ እናጠናከረን ንህዝቢና ድምፂ ኮይኑ እናሰረሐን እናሃለወ ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ኩናት ኩሎም መራከብቲ መንገዲታት ስለዝተዓፀዉ ኣባላት ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ብኣካል ኮነ ብስልኪ ተራክቦም ስሩዕ ስራሕ ክሰርሑ ኮነ ንድያስፖራ ሰክሪታሪያት ኮሚቴ ክመሓላለፍ ዝግብኦ እዋናዊ መምረሒ ንምሃብ ከይከኣሉ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ፀንሖም እዮም። ድርጅትና ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ድያስፖራ ኣባላት ኣመራሪሓ ሰክሪታሪያት ሓውስካ ኣብ መንጎ ኣባላት ኢኣኣ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ምንባሩ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነበሩን ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ዝተከታተሉን ኣባላት ኢኣኣ ሓበሬታ በፅሑዎ፤ ዘለናሉ እዋን ኣብ ልዕልኡ ከብድ ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎ ዘሎ ህዝብና ካብዚ ወርዱዎ ዘሎ ሕሱም ጥሜት፣ ሞትን ምፍንቓልን ዝናገፈሉ መንገዲ ንናድየሉን ኩላትና ዓቅምና ዝከኣሎ ዘበለ ንውፍየሉን ዳኣ እምበር ኣበ ከምዚ ዝበሉ ውሽጣዊ ዘይምርደዳኣት ንኣትወሉ ስለዘይኮነ እቲ ዘይምርድዳእ ቶሎ ብምፍታሕ ናብ ስራሕ ክንምለስ መልእክት ኣመሓላልፍና ምንባርና ይዝከር፤ እዚ ንምግባር ዘክእል እኩል ግዜ ድማ ንድያስፖራ ህብና እና፤ ኮይኑ ግና ኢኣኣ ብዝገበሮ መፅናዕቲን ካብ ክልትእም ወገናት ዝረከበ ተደጋጋሚ ሓበሬታን እቲ ዘይምርድዳእ ይገድድ እምበር ፍታሕ ይረክብ ዘይምህላዉ ስለዝተፈለጠን፣ እቲ ሀዚ ዘለናሉ እዋን ድማ ካብ ካልእ ግዜ ብዝሓየለ መልክዑ ሓድነትና ዘድልየሉ ግዜ ኮይኑ እናሃለወ ኢኣኣ ከም ጉልባብ ብምጥቃም ንዝተፈላለዩ ድልየታትን ስምዒታትን መፈፀሚ ንምግባር ምፍታንን ምጉጂጃልን ንናይ ህዝብና ህልውና ሓደጋ ዘስዕብ ብምዃኑ ብዝግባእ ብምርዳእ ናይ ኣኣኣ “ድያስፖራ ሰክሬታሪያት ኮሚቴ” ሙሉእ ብሙሉእ ክፈርስ ዝተወሰነ እንትኸውን በዚ መሰረት ድሕሪ ሕጂ ኣብ ድያስፖራ ክህልወና ብዘዓባ ዝክእል ውዳበ እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

1. ካብ ሎሚ ዕለት 22/05/2010 ዓ/ም ወይ ድማ 30/01/2021 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ናይ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን "ድያስፖራ ሰክሬታሪያት ኮሚቴ" ሙሉእ ብሙሉእ ምፍራሱን በዚ ምክንያት ኢኣኣ ኣብ ድያስፖራ ማለት እውን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ምንም ዓይነት ውዳበ ከምዘይብሉ።

2. ብሽም ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ብስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ጥራሕ ክምራሕን፣ ካብ ናይ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኣፍልጦን ፍቃድን ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ኢኣኣ ዝምልከት ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊን ተቀባሊነት ዘይቡሉን ምዃኑ።

3. ኣብ ድያስፖራ ዝርከቡ ኣባላት ኢኣኣ ሪክቦም ቀጥታ ምስ ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘሎ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ክኸውንን ዝኾነ ይኹን ኣባል ዲያስፖራ ኢኣኣ ልክዕ ከም ካልእ ኣባል እቲ ድርጅት ብነፃ ድሌቱ ክኣትዎን ብነፃ ድሌቱ እውን ክገድፎ ዝኽእል ምዃኑ ክፈልጥ ስለዘለዎ ዝኾነ ይኹን ኣባል ኣባልነቱ ብወግዒ ክሻብ ዝገድፍ! ብድርጅታዊ መተሓዳደሪ ደንቢን በቢግዜኡ ካብ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ብዝወሃቡ መምሪሒታትን ክምራሕ ከምዘለዎ።

4. ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገፃትን ናይ ኢኣኣ ዌብሳይትን ሓውሱ ብሽም ኢኣኣ ኣብ፤ ድያስፖራ ዘለዉ ኩሎም ንብረታት ናብ እድ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ክኣትዉን፤ ዝኾነ ይኹን ድርጅታዊ መግለፂ ብስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ጥራሕ ክወሃብን፤ እዚ ድማ ብሕጋዊ ማህተምን ፌርማን ክረጋገፅ፤

5. ድርጅትና ምስ ዓለም-ለኸ ትካላትን መንግስታትን ካልኦት ኣካላትን ዝግበር ናይ ድፕሎማሲን ሎቢን (Lobby) ስራሕቲ ንምስላጥ ናይ ኢኣኣ ሕገ ደንቢ፣ ዓላማ፣ ልኡክቶን ሓላፊነትን ብዝግባእ ተረድኦም ዝተውሃቡም ሓላፊነት ክዋፅኡ ምስዝክእሉ ውልቀ-ሰባት ርክባት እናገበረ ክቅፅል፤ ዝተወሰነ እንትኸውን ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሓሙሽተ (5) ውሳኔታት ውፃኢ ዝግበር ዝኸነ ይኹን ምንቅስቓስ ንኢኣኣ ዘይውክል ምዃኑ ብዝግባእ ክስመረሉ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ኣብ ወፃኢ ንትነብሩ እዚ ስቪል ማሕበር ንክምስረት ኮነ ድሕሪ ምስረታ ኣዚዮም ዝነኣዱ ናይ ፍልጠት፣ ሓሳብን ገንዘብን ደገፍ ዝገበርኩም፣ ላዕሊን ታሕትን ብምባል ዓብይ ኣስተወፃኦ ዝገበርኩምን ኣብ ምግባር ትርከቡን ኣባላትና ከምኡ ድማ ፀገም ህዝቢና ፀገምና እዩ ብምባል ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ህዝብኩም ትስለፉ ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ደቂ ኢሮብ ንዓኩም ዘለና ኣክብሮትን ምስጋናን ደረት የይቡሉን፤ ሎሚ'ውን ከም ትማሊ እቲ ዝተለመደ ናይ ሓሳብ፣ ንብረትን ተግባርን ደገፍኩም ኣይፈለየና፤ ኩሉኩም ብዝመረፅኩሙዎ ውዳበ ኣብ ኣዚዩ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ዝኾነ ጥሜት፣ ጅምላዊ ቅትለት፤ ምፍንቓልን ናይ ህልዊና ስግኣትን ኣትዩ ዘሎ ህዝቢና ብሃይሃይታን ስምዕትን ዘይኮነስ ጥበብን ጥንቃቄን ብዝተመለኦ መንገዲ ኣብ ጎኑ ክትኮኑን ክትድግፉዎን ሓደራ ንብል። ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ሕጂ እውን ህዝቢና ካብቲ ወሪዱዎ ዘሎ መዓት ክናገፍ ዓቅሙ ዝፈቀደ ኩሉ እናሰረሐ ክቅፅል እዩ።


ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኢኣኣ

ጥሪ 22/2013 ዓ/ም

መቐለ

ካብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን (ኢ.ኣ.ኣ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለጺ

ኣብ ዓለምና ብዝተፈላለዩ እዋናት ዝተካየዱ ውግኣት ዘስዓቡዎም ማሕበረ-ቁጠባዊን ፖለቲካውን ሳዓቤናት ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኣዚዩ ሕሱም ድክነትን ቅልውላውን ከምዘእተዉዎ ይፍለጥ። በዚ መሰረት ዝተፈጠሩ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ለውጢታት እውን እንተኮኑ ኣብ መንነትን መነባቢሮን ህዝቢታት ፅዕንቶ እናፈጠሩ መፅኦም እዮም። ሃገርና ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ክልልና ትግራይ እውን ንብዙሕ ዘበናት ናይዚ ፅዕንቶ ዋና ተጠቃዕት እናኾነት ፀንሓን ትኸውን ኣላን።

ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዝተመስረተሉ ግዜ ከባቢያዊ፣ ሃገራዊ ከምኡ እውን ዞባዊ ኩነታት ፖለቲካ ዘይተረጋገዕሉን ኣፍልጦ ማሕበረሰብና ኣብ ሕጋዊ ኣሰራርሓን አካይያዳን ሲቪል ማሕበረሰብ ድርጅታት ዘይዓበየሉን ከምኡ እውን ብዙሕ ልሂቅ (elite) ኢሮብ ኣብ ረብሓን ህላዌን ከምኡ እውን ኣብ ትንታኔን መግለፂን ህዝቢ ኢሮብ ሓባራዊ ርድኢት ዘይሓዘሉን መዋቅራዊ ብዘይኮነ መንገዲ ብናይ ውልቀ ድሌትን ስምዒትን ዝጓዓዘሉ እዋን ስለዝነበረ ዕላማታት እዚ ድርጅት ብዝድለ ፍጥነት ናብ በዓል ዋና ንዝኾነ ህዝቢ ንምብፃሕ ብዘይ መጠን በዳሂን ፈታኒን ኾይኑ ፀንሑ እዩ። ገና እቶም ዝነበሩ ናይ ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን ክፍተታት መልኦም ከይተፈትሑ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ኩናት ገጥሙና።

ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ከም ሓደ ስቭል ማሕበር ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝፍጠሩ ጎንፂታት ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ቅዋሙ እናገለፀ ፀኒሑ እዩ፤ ድሕሪ ምእዋጅ ቁሉዕ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ እውን እንተኾነ ተወሳኺ ሳዓቤናት ቅድሚ ምስዓቦም ሰላማዊ ፍታሕ ክናደየሉን፤ ብፍላይ ድማ ናይ ሓንቲ ሃገር ውሽጣዊ ጎንፂ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ግድማዊ ሓይሊታት እድ ኣታውነት ነፃ ክኸውንን ዝፅውዕ ባዓል ሓሙሽተ ነጥቢታት መግለፂ ኣውፅኡ ከምዝነበረ ይዝከር።

እዚ ከይኾነ ተሪፉ ግን ዛግድ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዘቆፀረ (መዕነዋይ) ኩናት ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ኣዚዩ ፈታኒ እዋን ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ምክትታልን ምፅናዕን ዝርከብ እንትኸውን፤ ኣብዚ እዋን ህዝቢና:-

1. ብኣብዝሓ ካብ መረበቱ ተፈናቅሉ ከምዝሪከብ፤

2. ኣብ ኣዚዩ ኣስጋኣይ ዝኾነ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣትዩ ከምዘሎ፤

3. ክሳብ ሕጂ እዚ ዝበሃል ሰብኣዊ ሪዳእታ ከምዘይተገበረሉ፤ በዚ ምክንያት ድማ እኩል ምግብን ናዊት ሕክምናን ይረክብ ዘይምህላዉ፤

4. ሓይሊታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት (ማለት እውን ልዕሊ ፍርቂ መሬት ኢሮብ ወሪሮም ከምዝሪከቡ፤

5. ምንም ዓይነት መራከብቲ ሜላታት ብዘይምህላዎም ኣብ ከተማታትን ገጠራትን፣ ከምኡ እውን ኣብ መረበቶም ዘለዉን ዝተፈናቀሉን ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ነናይ ሕድሕዶም ዳሃይ ክረክቡ ብዘይምክኣሎም ዓብይ ሻቅሎትን ጭንቀትን ወሪሩዎም ከምዘሎ፤

6. ብኣጠቃላይ ህዝቢና ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኩለ-መዳይ ሕሱም ናይ ህልውና ሓደጋ ወድቁ ከምዝርከብን ህፁፅ ሰብኣዊ ሪዳእታ ከምዝጠልብን ኢ.ኣ.ኣ ይገልፅ፤

በዚ መሰረት ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ብሓይሊታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተገብረ ወራር ህዝቢን ሉዓላዊ መሬትን ኢሮብ ብትሪ እናኾነነ፣ ምንም እኳ ኣብ ከባቢና ኣብዚ ሕጂ እዋን ውዕዉዕ ውግእ እንተሃለወ ንህዝቢና ናይ ምግብን ሕክምናን ሰብኣዊ ሪዳእታ ንክኣቱ ምስ ዝምልከቶም ሃገራዊን ዓለም-ለኻዊን ትካላት ኣድላይ ዘበለ ምርድዳእ እናገበረ ይርኸብ፤ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ድማ ክቅፅለሉ እዩ።

ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዋና መሰረቱን ስራሑን ኣብ ውሽጢ ሃገር (ውሽጢ ዓዲ) ገይሩ ዝተጣየሸ ትካል ኮይኑ ኣብ ዲያስፖራ

ብደረጃ ሰክረታሪያት ኣብ ምንቅስቃስ ከምዝሪከብ ይፍለጥ፤ በዚ መሰረት ኮሚቴ ሰክሪታሪያት:

1. ካብ ሰራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኢ.ኣ.ኣ ብመልክዕ ዕዮ-ገዛ ዝወሃቡዎም ሓላፊነታት ብኣግባቡ ናይ ምፍፃም ግዴታ ኣለዎም፤

2. ኢ.ኣ.ኣ ሒጋዊ መተሓዳደሪ ሕገ-ደንቢ ዘለዎ፣ ትካላዊ ኣሰራሪሓ ዝክተል ሕጋዊ ናይ ስቭል ማሕበር ብምዃኑ፤ ኢ.ኣ.ኣ ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝግበር ምንቅስቓስ ብመሰረት ድሪጅታዊ ሕግን ካብ ሰራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ብዝወሃብ መምረሒን ኣንፈትን ጥራሕ ተግባራዊ ይኸውን። ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ኣሰራሪሓ ተቀባሊነት ኣይህልዎን። ኣብ ላዕሊ ቅድም ኢሉ ከምዝተገለፀ ኣብዚ ሐዚ ስዓት ህዝቢና ብኩናትን ብጥሜትን እናተለብለበ ስለዝኾነ ብግላዊ ስምዕታትን ድሌታትን ከይተሓፀረ ኩሉ ኣባልናን ደጋፍናን ንድሕነትን ሃለዋትን ህዝቢና ይስራሕ፤ ኩሉ ኣባል ኮነ ኣመራርሓ ዲያስፖራ ብቱ ተፈጥሩ ዘሎ ውሽጣዊ ፀገማት ምክንያት ንጊዜኡ ቀጥታ በማእከል/ብስራሕ ፈፃሚቲ ኮሚቴ እናተመርሐ ዝተለመደ ስሩዕ አሰራርሓ ብዝተፈለየ መንገዲ ኩሉ በቢዓቅሙ ተዋዲዱ ክስርሕ ይግባእ።

3. ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኣባላት ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ናይ ሰክሪታሪያት ኣባላት ናይ ምምራፅ መሰል ዘለዎም ኮይኑ፤ እዚ ድማ ብመሰረት ድርጅታዊ ሕገ-ደንቢ ጥራሕ ተግባራዊ ይኸውን።

እዚ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝብና ካብቲ ወሪዱዎ ዘሎ ኩለመዳይ ቅልውላው ንምድሓን ብደረጃ ዲያስፖራ ብቐዳምነት ክሰርሑ ካብዝግብኦም ተግባራት ፦★

1. ሰክሪታሪያት ኮሚቴ ኢ.ኣ.ኣ ንህዝቢ ኢሮብ ገጥሙዎ ዘሎ ጦርነት፣ ማሕበራዊ ቅልውላዊን ጉዳይ ሰብዓዊ ሓገዝን ብዝምልከት ርክባትን ልዝብን ምስ ሕቡራት መንግስታት (UN)፣ ኣውሮጳ ሕብረት (EU)፣ ኣምኔስቲ ኢንተርናሽናል (Amnesty International) ፣ ዓለም ለኸ ሰብአዊ መሰል ትካል፣ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቐል ትካል፣ ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት(IOM)ን፤ UNCHR ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ዓበይት ሃገራት አሜሪካን ኣውሮጳን ርክብ ምግባርን ሰብኣዊ ቅልውላው ህዝቢና ብዝግባእ ምርዳእን ምፊላጥን፤ ከምኡ እውን ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተገይሩ ዘሎ ዘይሕጋዊ ወራር ህዝቢን መሬትን ኢሮብ ብህፁፅ ደው ክብል ምስ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁን ካልኦት ዝምልከቶምን ኣካላት ኣድላይ ዘበለ ድፖሎማሲያዊ ሪክባት ናይ ምፍጣሪን ሎቢ (Lobby) ናይ ምግባርን ሓላፊነት ብምውሳድ ንክትሰርሑ ንፅውዕ።

2. ኣባላትን ደገፍትን ኢ.ኣ.ኣ እቲ ሐዚ ኣጋጥሙ ዘሎ ኩናት ስዒቡ ኣብ ህዝቢና በፅሑ ዘሎ ሰብአዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ብውነ ተረድእኹም ህዝብና ካብዚ ተንፀላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ጥፍኣት ንምድሓን ንኹሉ ተወላዲን ፈታውን ኢሮብ ብምትሕብባርን ብምንቅቓሕን ህዝቢና ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክብ ምእንታን እቲ ዝጀመርኹምዎ ናይ እቶት ምትእኽኻብ (fundraising) ስራሕቲ ኣስፍሕኹም ንኽትሰርሑን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓድነትኩም ኣስጥምኩም ሎሚ’ውን ከምቀደምኩም ንህዝቢና ዓቅምኩም ዝፈቀዶ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክትገብሩን ንፅውዕ፤

3. ኣብ መላእ ዓለም ትሪከቡ ተወለድትን ፈተውትን ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኮነ ካልኦት መራከብቲ ሓፋሻት ዝወፁ ሓበሬታታት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ኩናትን ወራሪን ዝካየድ ዘሎ ህዝቢና ከስዕቦም ዝኽእል ሳዓቤናት/ሓደጋ/ ብምርዳእ ህልዊ ኩነታት ህዝቢና ብዝምልከት ጥንቃቄ ብዝተመልኦ ኣዚዩ ንፁር፤ ዝተሓረየን ፅፁይን ሓበሬታ ጥራሕ ክትዝርግሑ ኢ.ኣ.ኣ ይላቦ።

ኣብ መወዳእታ ዘለናሉ እዋን ኣዚዩ ፈታኒ፣ ህዝቢና ኣብ ዓብይ ስግኣት ዝኣተወሉ፣ መሬትና ሙሉእ ብሙሉእ ማእከል ጦሪነት ዝኾነሉን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ሓደ ኮይንና ንህልውና ህዝቢና ንቃለሰሉን እምበር ንካልኦት እዚ እዋን ዘይጠልቦም ስራሕቲ ምንም ግዜ ኮነ ቦታ ንህበሉ ዘይምኳኑ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ህዝቢና ካብ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ክናገፍ ኢ.ኣ.ኣ ምስ ዝምልከቶም ኩሎም ዓይነት ኣካላትን ትካላትን ዓቅሙ ብዝፈቀዶ ኩሉ እናተረባረበ ስቭላዊ ስራሕቱ ይሰርሕ ከምዘሎን ከምዝሰርሕን ክንገልፅ ንፎቱ።

*መዘኻኸሪ: - ንድሕንነት ህዝቢናን ንቀፃሊ ስትራቴጂካዊ ቃልስናን ብምሕሳብ ድርጅታዊ መግለፂታትን (official statements) ርክባት መራኸብቲ ሓፋሽን (mass media communications) ብናይ ኢ.ኣ.ኣ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ጥራሕ ዝትግበር ይኾውን፡: ካብዚ ወፃኢ ዝንፀባረቅ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ናይ ውልቀ-ሰብ ሪእቶ እምበር ንኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን (ኢ.ኣ.ኣ) ዝውክል ቅዋም ኣይኸውንን።

ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎኹም ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ንክኾነልኩም ካብ ልቢ ንምነ!!


ታሕሳስ 29,2013 ዓ.ም -መቐለ

ኢ.ኣ.ኣ ዋና ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ

Irob People at the Ethio-Eritrean Border Region are Starving!!

It has been almost two months since the Ethiopian Government declared war in Tigray. This war has been accompanied with the total communication blackout and closure of the region from the basic services like food, telephone, electricity, medicine, banks, internet, etc. The Irob district that is inhabited by the Irob people and located in the north east of the Tigray Regional State, bordering Eritrea, is believed to be one of the worst victims of the ongoing war.

In addition to being one of the remote areas of Tigray Regional State, the Irob was under siege due to the military standoff between Ethiopia and Eritrea for more than two decades. And this year, before the current war, it has been already ravaged by locust and Coved-19 pandemic. Now Irob Advocacy Association (IAA) Diaspora Secretariat has credible information that the Irob people are displaced and starving to death in the mountains of the Irob district and there are reports that the district including the district local government administration offices is currently occupied by the Eritrean Forces with the Eritrean flag installed in the district areas.

There are also credible reports that a number of civilians were killed, the priests and other civilians were abducted, the public and private properties including schools and health centers looted, the stored grains from residential homes and the clergy stores were raided and taken away by the Eritrean Forces. It is to be recalled that Eritrean Forces abducted over 97 Irob civilians during Ethio-Eritrean war about two decades ago and their whereabouts is not known to-date. We are extremely alarmed by these reports and concerned that many people might have also been starved to death already as the people in the area were dependent on safety-net programs that were suspended by the Ethiopian Government a few months ahead of the ongoing war.

Still worse, the Irob district is little known and the current grave situation of the Irob people is not getting the attention the situation warrantees from the international community. The Irob people are a minority ethnic group in the region and don’t have a voice regardless of their dire situations. The Irob Advocacy Association (IAA) Diaspora Secretariat is gravely concerned that this trend is continuing during the ongoing war and the humanitarian disaster while the Ethiopian Government is trying to project a different picture regarding the current situation in Tigray Region and the scope of the crisis to the international community.

Just last week, three weeks after the Ethiopian Government announced that the war in Tigray was over, unconfirmed sources claimed that there was war going on in the Irob district, allegedly between the Tigray and the Eritrean Forces. As the international community may be already aware, neither Ethiopia nor Eritrea are admitting the Eritrea’s involvement in current war inside Tigray. However, Eritrean Forces being indeed inside all over Tigray and fighting alongside the Ethiopian Government Forces is acknowledged by the US State Department and reported by the international media such as Reuters, the Gradian, etc. These medias also reported, using diplomatic sources and eye witnesses, that the Eritrean Forces are engaged in frequent raids of civilian homes, mass lootings of the public and private properties, and the barbaric killings of the civilians in Tigray.

You can only imagine much worse situation in the remote areas of Tigray like the Irob district. The limited reliable reports we have and mentioned above attest to the grave concerns we have. What is the most alarming is that the occupation of the Irob district by Eritrean Forces may not be temporary as the Ethiopian Prime Minster admitted to the United Nations Secretary General that the Ethiopian Government allowed the Eritrean Forces to occupy some parts of Tigray that Eritrea claimed during the Ethio-Eritrean war. It is well known that Eritrea claims parts of the Irob district though baseless.

With the recent restoration of some communication in Mekelle, the capital of the Tigray Region, the Ethiopian Government officials and media are claiming the return of the region to the normalcy. It is important to note that this claim is far from the truth. Tigray is not just Mekelle! The most parts of Tigray and millions are still in total darkness with no basic needs like food, water, electricity, health and bank services for almost two months. And this is happening with the complete communications blackout, and with no humanitarian aid and independent media access. We fear that the remote parts of Tigray like Irob will continue with the same situation for longer. We are gravely concerned that it will be too late by the time those services will be restored if they will be at all. And the occupation of the Irob district by the Eritrean Forces makes the Irob situation even more complicated within the Tigray context.

Our Urgent Plea

IAA Diaspora Secretariat:

  1. Calls upon the Ethiopian Government to allow unfettered humanitarian aid access to the Tigray region, to stop the total communication blackout, and open the region for independent media.

  2. Calls upon the International Humanitarian Organizations and all the concerned to immediately and directly reach out to the remote areas such as Irob with emergency aid for the basic needs like food and medical services.

  3. Condemns Eritrea’s involvement in this war and the invasion of Tigray and calls upon Eritrea to leave immediately. We also plea to the international community and the United Nations to hold Eritrea accountable and put pressure to leave Tigray.

  4. Calls upon Eritrea to release the abducted priests and civilians during the ongoing war and about two decades ago unconditionally. We also plea to the international community and the United Nations to hold Eritrea accountable and put pressure to release these abductees.

  5. Condemns the Ethiopian Government for allowing Eritrea (a foreign and neighboring country) to join the war in Tigray and occupy parts of the Tigray Region indefinitely.

  6. Calls upon the Ethiopian Government Forces to discharge its responsibility of protecting the civilian population and to stop the mass lootings of the public and private properties in Tigray ASAP.

  7. Calls upon the Ethiopian Government to allow independent investigation into the ongoing war in Tigray and assess the scope of the total damage, the root cause of the war, the conduct of the war, the human rights violations, the possible occurrences of war crimes, and the victims and culprits behind any such violations and crimes.

IAA Diaspora Secretariat

December 21, 2020

አስቸኳይ ጥሪ በትግራይ ላይ ስለታወጀው ጦርነት

ከሁሉም አቅጣጫ በትግራይ ላይ የታወጀው ጦርነት ይኸው ሶስተኛ ሳምንቱን የያዘ ሲሆን፣ ሁሉም ዓይነት የመገናኛ መስመሮች በመዘጋታቸው ሕብረተ ሰባችን ምን ሁኔታ ውስጥ እንዳለ ለማወቅ ፍጹም አልተቻለም። በዚህ ምክንያትም፣ አገር ወስጥ ያሉና ውጭ አገር የሚኖሩ ቤተዘመድና ቤተ ሰብ ቀርቶ ኢትዮጵያ ውስጥ ያሉትም ጋር መገናኘት አልተቻለም። ከዚህም አልፎ ትግራይ ውስጥ ራሱ የቤተሰብ ግንኙነት ስለመኖሩም የሚታወቅ ነገር የለም። ትግራይ ውስጥ ከቦታ ወደ ቦታ መጓጓዝም የሚቻል አይደለም። ከዚህም አልፎ በሚካሄደው ጦርነት ቡዙ የሰው ህይውት መጥፋቱን፡ በርካታ ንብረት መዘረፉና ከጥቅም ውጭ መደረጉ መረጃዎች እየደረሱን ነው። ከሁሉም የሚያሳስበው ደግሞ ከጦርነቱ ጋር ምንም ግንኙነት የሌላቸው ሲቪል ነዋሪዎች የውግያው ሰለባ እንደሆኑ በማይካድራ የደረሰው የሰው እልቂት እንዲሁም በዛላንበሳና በዓዲግራት ከተሞች በደረሰው የንጹሃን ግድያ እጅግ አሳሳቢና፣ አሳዛኝ ነው።

በመሆኑም፣ የሚመለከታቸው ወገኖች ሁሉም የሚከተሉትን ሁኔታዎች እንዲያተገብሩ የኢሮብ አድቮካሲ አሶሴሽን (ኢኣኣ) ዲያስፖራ ሰክረታሪያት ጥሪውን ያቀርባል፣

  1. አሁንም ጦሪነቱ ቆሞ በአስቸኳይ ውውይት እንዲጀመር፣

  2. በማይካድራ በንጹሓን ላይ የደረሰውን ልብ የምሰብር ጭፍጨፋ በሌሎች አከባቢዎች እንዳይደገም ጥንቃቄ እንድደረግ፤ አዲግራትና ዛላምበሳ የተከሰትውም ነገር በገለልተኛ ወገን እንዲጣራ፤

  3. ለትግራይ ህዝብ እርዳታና አስፈላጊ የሰበአዊ ዲጋፍ የሚሰጡ አካላት የሚተላለፉባቸው ኮሪዶሮች በአስቸኳይ እንዲከፈቱ

  4. የኤርትራ ሠራዊት ከ1990-1992 ሁለት አገራችንን በወረረበት ጊዜ ሙቀጫና ከእንጨት የሚዘጋጀው ዘነዘና ሳይቀር ወሮና ጭኖ የሄደበት ሁኔታ እንደነበረ በሰነድ ማረጋገጥ ይቻላል። አሁንም ቢሆን በጠረፍ አከባቢ በሚገኙ ከተሞችና መንደሮች፤ ውስጥ የመንግስት፡ የህዝብና የግል ንብረት እየዘረፉ መሆናቸው ሲንሰማ አያደርጉትም ለማለት የሚያስችል ሞራል የለንም። በተለይ ድርጅታችን የቆመለት በድምበር የሚኖር የኢሮብ አናሳ ብሐ/ሰብ ጉዳይ በእጅጉ አሳስቦናል። እንዲህ ዓይነት በየከተሞቹና መንደሮች የሚደረጉ የንብረት ዘረፋዎችና ወረራዎች እንዲቆሙ፣ እንዲሁም የኤርትራ ሰራዊት እኒዚህ ከቶሞች፡መንደሮችና በአጠቃላይ የኢትዮጵያ መሬት ለቆ በአስቸኳይ እንዲወጣ፡

  5. በትግራይ ከተሞች የሚካሄድ ጦርነት ከፍተኛ የሲቪሎች ህይወትና ንብረት እንደሚበላ ለማንም ግልጽ ነው። ስለሆነም፣ ተዋጊ ኃይሎች ከህዝብ መኖርያ ቤቶች አከባቢ እንዲርቁና ሁኔታዎችን ህዝባዊ ሓላፊነት በተሞላበት ሞራል እንዲመሩ:

  6. እንዲሁም በተለያዩ የኢትዮጵያ ከተሞች፡በሚኖሩ የትግራይ ተወላጆች ላይ እየደረሰ ያለው፡ በሄር ተኮር ጥቃቶች በአስቸኳው እንዲቆሙ ጥሪ እናቀርባለን።

በዚህ ጦርነት ውስጥ በማንኛውም ጦርነት እንደሚሆነው ሁሉ ተጠቂው ድሃው ህዝብ ነው። ስለሆነም፣ ለሲቪል ህዝብ ህይወት ደህንነት ከፍተኛ ጥንቃቄ እንዲደረግ ኢኣኣ ዲያስፖራ ሰክረታሪያት ጥሪ ያቀርባል።

ፈጣሪ ህዝቦቿንና ኢትዮጵያን ይጠብቅ!



ከኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ) ዲያስፖራ ሰክረታሪያት

ህዳር 17 2013 ዓ.ም.

Urgent Appeal About The War In Tigray

The Ethiopian Government and Tigray regional Government both have the responsibility to avoid war crimes! Both governments should protect non-combatant civilian citizens! With the culmination of the 72-hour ultimatum, Mekelle city and its surroundings are now a war zone, following PM Dr. Abiy Ahmed’s announcement today. We also heard from military officials that the operation will be primarily with fighter planes and tanks. We are gravely concerned that this operation may cause heavy civilian calamities, given Mekelle is a city of more than 500,000 residents. We remind both sides to do all in their capacity to minimize civilian deaths and strictly adhere to the International War rules and International Humanitarian Law that applies to armed conflict so that civilian deaths are avoided.

We are extremely worried and disappointed that civilians are left encircled and trapped amid all-out war without escape routes, safe zones or basic necessities for over three weeks. People of Tigray are starving as everything is blocked in Tigray for over three weeks. Total information blackout, no food, water, medicine, or cash, no access to humanitarian assistance! We urge the Federal and Tigray governments to create a safe corridor for civilian population and permit access for humanitarian support in this crisis.

Despite the information blackout for over three weeks from Tigray, we are hearing widespread lootings and civilian killings in many areas of Tigray, particularly widespread in Ethio-Eritrean border towns and villages. Both governments should take swift measures to safeguard civilians and their property.

Banks in Tigray has been closed for over three weeks and bank accounts of many Tigrayans throughout the country are being blocked. This is starving innocent civilians and should be restored immediately. Ethnic profiling of innocent Tigrayans all over the country is another concern that should be stopped immediately.

We see images of widespread public property destruction like airports, bridges, historical sites, religious institutions. This needs to stop immediately!

The violations aforementioned are already extremely worrisome and alarming. Even worse is that, this might be only the tip of an iceberg of the widespread reality on the ground as we are in total information blackout. We condemn these violations with the strongest possible terms, regardless of who the actors might be. Both Governments need protect non-combatant civilians and their property. Independent investigation should start immediately to assess the scale of the damage and crimes throughout Tigray during this war, and to bring criminals to justice!


IAA DIASPORA SECRETARIAT

November 26, 2020

The World Needs to Act Now!

Irob Advocacy Association, Diaspora Secretariat (hereafter, referred to as “IAA Diaspora Secretariat”), worries that thousands of people are dying in Tigray region of Ethiopia due to full-scale war. We are also concerned that this may even lead to genocide.

Another War!?

As if the past did not do enough damage, another war just broke in Tigray two weeks ago. On November 4, 2020, the Federal Government of Ethiopia officially entered all-out war with Tigray Government, supported by aerial bombardment. All means of communications were cut off immediately. As a result, we are left in total darkness about the depth and breadth of the devastation on the ground.

From what we hear however, there is no food, no water or medical help; no power, no internet or telephone; movement is restricted as martial law declared immediately; there is no independent media access, no access to first aid or rescue mission we know of. The emerging clues are extremely alarming. The war broke overnight, and no one predicted this coming or prepared for it. Thus, the civilians are trapped, and we fear disaster is the fate. Most of Tigray population has been already dependent on SafetyNet program which was suspended by the Federal Government ahead of declaring the war. The region was already struggling to manage the COVED-19 pandemic and Locust, let alone all-out war added on top of this already terrible situation.

As for Irob minority in Tigray, the conditions had been dire already without another war. Irob was trying to recover from the 1998-2000 occupation by Eritrean forces and the liberation war that followed in year 2000. That occupation and war left Irob devastated economically and socially. But even after the war was officially over, Irob remained a fortress for another 20 years as the standoff continued between the armies of the two countries. Tigray Regional Government alleges Eritrea is involved in this current war as well, though not verified by a third party. We also learned that there has been heavy fighting in Zalambessa and Irob localities last week. It was also reported that civilians were massacred in Zalambessa town and we suspect the tragedy might be widespread. Sources said Eritrean army was seen in Irob villages like Adgadi-Are and Aiga.

Irob people lived in constant fear for two decades, that another war could break at any moment as the standoff continued. Irob already suffered enough from the previous war and we were wondering if we can make it. There have not been any meaningful programs put in place to rehabilitate Irob from the last calamities and now this!? Irob cannot survive this new war and its aftermath without concerted efforts by all who are able and willing to help. We plea for rapid rescue mission!

The conditions in Tigray deserve an international attention. These conditions obviously seem to violate international war rules. We even suspect war crimes are taking place in Tigray.

Therefore, IAA Diaspora Secretariat calls upon:

➤ International community and the two Governments to end this war.

➤ The two Governments to protect civilian population, economic and public institutions, historical sites; restore normalcy to the levels acceptable under the international rule of war, to minimize civilian calamities.

➤ International humanitarian organizations and Governments for immediate intervention to end the civilian suffering and restore some normalcy.

➤ All neighboring countries and global community to play positive role and avoid escalation of this already terrible situation in Tigray, as everyone will lose if so.

➤ All Ethiopian and global community to extend their support for those displaced due to this war.

➤ IAA Diaspora Secretariat strongly condemns all civilian killings in this war. We call for an independent investigation of these killings and criminals to be brought to justice!


IAA SECRETARIAT

November 17, 2020

ጦርነት መፍትሔ ቢሆን ኖሮ በጦርነት ውስጥ አንኖርም ነበር!

በፌደራልና በትግራይ ክልል መንገሥታት መካከል አለመግባባት መኖሩን ከተገነዝብን ሰንበትበት ያለ መሆኑ የሚታወቅ ነው። ሆኖም አሁን ወደ ተጀመረው የርስ በርስ ጦርነት ያመራል የሚል ምንም ዓይነት ግምትም፣ ጥርጣሬም ኖሮን አያውቅም ነበር። በመሆኑም፣ የመጀመርያዋን ጥይት ማን እንደተኲሰም ሆነ መነሻውን ለማውቅ ካለው የመረጃ እጥረትና ጥራት ባልቻልንበት ሁኔታ ትግራይ ክልልና ፌዴራል መንግሥት መካከል ትግራይ ውስጥ ጦርነት መቀስቀሱን መስማታችን ከልብ አሳዝኖናል። የአንድ አገር ሰዎች የሚኖሩዋቸውን ልዩነቶች በጠርጴዛ ዙርያ ተቀምጠው በመወያየት ልዩነቶቻቸውን መፍታት ሲገባቸው ወደ እርስ በርስ ጦርነት መግባታቸው ማንም ህሊና ያለው ሰው የሚቀበለው አይደለም። አገራችን ውስጥ እርስ በርስ ጦርነት ሲጀመር ዛሬ የመጀመርያ አይደለም። የአገሪቱ እጣ ፈንታ በጦር መሳርያ ሲወሰን ማየት የታሪካችን አካል መሆኑ አልሳትነውም። ትልቁ መጠቀስ የሚገባው ጉዳይ ቢኖር ዛሬም፣ ዛሬም ከትላንቱና ከትላንት በስትያው ጦርነቶች ካስከተሉት ጥፋቶች ለመማር አለመቻላችን ነው።

በነዚህ ለዘበናት በተካሄዱት ጦርነቶች ህይወቱም ሆነ ንብረቱን የከፈለው የጦርነቱን ማስጀመርያ ፍሽካ የነፋው አካል ሳይሆን፣ ከምኑም ያልነበረና፣ ለወደፊቱም ከሞትና ችግሩ እንጂ ከድሉ ተቋዳሽ ሆኖ የማያውቀው ድሃው ገበሬና በዝቅተኛ ኑሮ የሚኖረው የሕበረተ-ሰባችን አካል መሆኑን ጠንቅቀን የምናውቀው ሓቅ ነው። የሚያሳዝነው ግን የፖለቲካ ሊሂቆቻችን ከዚህ መራራ ሓቅ ዛሬም ምንም አለመማራቸው ነው።

ዛሬም ቢሆን ከዚህ አሁን ከተጀመረው ጦርነት አሸናፊና ተሸናፊ የሚባል ይኖራል አይኖርም በሂደት የምናየው ቢሆንም አንድ ግልጽ የሆነ እውነት ግን አለ። ይኸውም፣ አሸናፊም ተሸናፊም መጨረሻ ላይ ሁለቱም ተሸናፊ የሚሆኑበት ሁኔታ ውስጥ እንደምንወድቅ ነው። አሳዛኙ ጉዳይ በዚህ ጦርነት የሚጠፋው ህይወትና ንብረት ብቻ ሳይሆን፣ በአገር ደረጃ ሊያስከትልብን የሚችለው የድኅረ ጦርነት መዘዝ መዳረሻው የት እንደሚሆን ሊታወቅ አለመቻሉ ነው። ዛሬ ወዳጅ መስለው በአፈ-ጮሌነት የቀረቡን የሚመስሉት የሻዓቢያው መሪ በጭንቅላታቸው ሌላው አካል ውስጥ ምን እንዳስቀመጡ ለጊዜው የሚታወቅ ነገር የለም። የጦርነቱ መጨረሻ ምን ሊሆን እንደሚችል ዛሬ ላይ ሆነን መተንበይ ላይቻል ይሆናል እንጂ፣ በደፈናው ላገራችን የወደፊት ጉዞ አደገኛ ደንቃራ እንደሚፈጥር የሚያጠራጥር አይደለም።

ስለሆነም፣ የኢሮብ አድቮካሲ አሶሴሽን (ኢኣኣ) በውጭ የድጋፍ ኮሚቴ የሚከተለውን ጥሪ ያቀርባል።

1. ሁለቱም ወገኖች ጦርነት ከፍተኛ ህይወትና ንብረት የሚበላ መሆኑን ስለሚያውቁት፣ ባስቸኳይ በማቆም በጠርጴዛ ዙርያ በመወያየት አለመግባባቱን በሰከነ መንገድ በድርድር እንዲፈቱ፣

2. ባጠቃላይ ጦርነት በአንድ ሕብረተ-ሰብ የሚያደርሰው ቁሳዊና ሥነ ልቦናዊ ጫና እንዳለ ሆኖ፣ ባሁኑ ጊዜ ከመጀመርያውም ከጦርነት ሥነ ልቦና ወጥቶ በማያውቀው የትግራይ ማህበረ ሰብ ላይ የሚያስከትለው ጫና እንዳለ የሚታወቅ ከመሆኑም በላይ የመንገዶች መዘጋጋት በአስፈላጊ ዕለታዊ አቅርቦቶች ላይ የሚስከትለው ችግር ታውቆ ለሲቪሉ ህዝብ የሚያስፈልጉ ቁሳቁሶች ያለገደብ የሚተላለፉበት መንገድ እንዲፈጠር ሁለቱም ተቀናቃኝ ወገኖች አስቸኳይ ስምምነት ላይ እንዲደርሱ፣

3. ይህ ጦርነት ወደ አልተፈለገው የትግራይ ህዝብና አጎራባች የኢትዮጵያ ህዝቦች ማሃል ሆኖ እንዳያድግ፤ ከዛም አልፎ የውጭ ጣልቃ ገብነት እንዳይኖረው ጥንቃቄ እንድደረግ ከአደራ ጋር እንማጸናልን።

4. በዚህ ዘመን ሰው የሚገናኝበት ዋና መሳርያ ስልክና ሌሎች የመገናኛ ዘዴዎች እንደሆኑ ይታወቃል፣ ኣሁን ጦርነት በሚካሄድበት ኣከባቢ የሚኖር ህዝብ በአከባቢው ከሚኖሩ ሆነ ከአከባቢዉ ውጭ ከሚኖሩ ዘመድ ቤተሰቦቻቸው ጋር ለመገናኘት የማይችሉበት ሁኔታ ተፈጥሯል። ስለሆነም፣ የስልክና ኢንተርነት አገልግሎቶች እንዲከፈቱ፣

5. የትግራይ ክልል በአሁኑ ጊዜ የጦርነት ቀጠና መሆኑ ቢታወቅም፣ ያለውን ሁኔታ በነፃነት ለማስተላለፍ የሚችሉ የመገናኛ ባለሙያዎች አንድም ወደ ቦታው ገብተው እንዳይዘግቡ ተከልክሏል፣ አለበለዜያም ደግሞ እንደ ሌሎቻችን የመገናኛ መስመር ተዘግቶባቿል። በመሆኑም ያለውን ሁኔታ በመዘገብ ለህዝብ እንዲያሳውቁ እንዲፈቀድላቸው፣

6. ሁለቱ ተቀናቃኝ ወገኖች በሚያካሂዱት ውግያ የሲቪልና የታሪክ ማእከላት ላይ ጉዳት እንዳይደርስ ሙሉ ሓላፊነት እንዲወስዱ እንጠይቃለን።

የኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን የውጭ የድጋፍ ኮሚቴ

ህዳር 1፣ 2013 ዓ ም

ጉዕዞ ቀዳማይ ዓመት ኢ..አ

ኢ ኣ ኣ - ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ሕጋዊ ሰውነትን ናይ ስራሕ ፍቓድን ካብ ዝርክብ እንሆ ትማሊ ሓምለ 16፣2012 ዓ.ም ሓደ ዓመት መልኡ። ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዝተመስረተሉ ድምፅ ህዝቢ ናይ ምዃን ዓላማኡ ናብ ተግባር ናይ ምልዋጥ ምንቅስቃሳት እኳ እንተገበረ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ምክንያት ብዙሕ ነገር ብምስትብሃልን ብምርግጋዕን ክሰርሕ ከምዘለዎ ብምእማን ብመሰረት ዓመታዊ ትልሙ ክኸይድ አይከኣለን። መንግስታት ክልልን ፌደራልን ብዝነበሮም ፖለቲካዊ ዘይምቅዳው ስዕቡ ዝተፈጠሩ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኩነታት ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ኣኣኣ ርኡይ ተፅዕኖ ብምፍጣሩ፤ ኢኣኣ ዕላማታቱን እንታይነቱን ንዝተመስረተሉ ማሕበረሰብ ብምሉእነት ከፋልጥ ኣይከኣለን። ስለዝኾነ ድማ ኢኣኣ ዓመታዊ ትልሙ ከልሱ ብምርኣይ "ሕገመንግስቲ ይከበር" ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ከባቢታት ክልልና ዝካየድ ዝነበረ ካብ ጥቅምት ጀሚሩ ክሻብ ሕዳር ዝነበሩ ህዝባዊ ሰልፍታት ምስ ሓለፉ ኢኣኣ ሕዳር 3፣ 2012 ዓ.ም ኣብ ሆቴል "ኖርዘርን ስታር" መቐለ ንሚዲያታት ዕላዊ መግለፂ ብምሃብ ንመጀመሪያ ግዘ ዝተመስረተሉ ዓላማታት ናብ ህዝቢ ብሚዲያ ገልፁ፤ ብምቕፃል ኣብ ባይታ ምስ ህዝቢ ብምርኻብ ህዝባዊ መድረኻት ምድላው ዝተለመ እንትኾውን ኣብ ሞንጎ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ዝተኸበረ ፅንብል 11 ለካቲት መበል 45 ዓመት ስለዘርከበ ንኽልተ ወርሒ ተፀቢዩ ልክዕ በዓል 11 ሓደ ለካቲት ምስ ሓለፈ ምስ ተወለድቲ ኢሮብ ነበርቲ ከተማ መቐለ ናይ መጀመሪያ ህዝባዊ መድረኽ ኣሳልጡ፤ ብምቕፃል ኣብ ዓዲግራት ኣካይዱ። ድሕሪ ናይ ዓዲግራት መድረኽ ትልሚ ዝነበረ ናብ ወረዳ ኢሮብ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ትልሚ ኢኣኣ እቲ ናይ ወረዳ ኢሮብ መድረኽ ክልተ ክፋል ነይሩዎ፦

➤ መጀመሪያ ምስ ካብኔ (ምስ ሓለፍቲ) እቲ ወረዳ መድረክ ዘተ ምግባር

➤ ካልኣይ ካብ ሕድሕድ ጣቢያ ምስ ተወፃፅኡ ተወከልት ዓበይት ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ምፍላጥን መድረክ ዘተ ምግባርን እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፦ ኣብ ሃገርና መጋቢት 4፣2012 ዓ.ም ብዝተርኣየ ሕማም ኮሮና ስዕቡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ክልል ዝወፁ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጃትን ባህሪ እቲ ሕማም ህዝባዊ ኣኼባታት ዝፈቐዱ ስለዘይነበሩ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኢኣኣ እቶም ናይ ህዝቢ መድረኻት ናብ ዘይተወሰነ ጊዘ ክመሓላለፍ ብምግባር ምስ መዳርግቱ ኣካላት(ምምሕዳር ወረዳ ኢሮብን ልምዓት ማሕበር ኢሮብን) ብምዃን ኣብ ደገ ኮነ ውሽጥ ዓዲ ዝነብር ኢሮበታይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንህዝቢ ኢሮብ ካብ ሕማም ኮሮና ናይ ምክልካል ስራሓውቲ ንኽሕግዝን ንኽድግፍን ፃዊዕት ብምግባሩ ዳርጋ ኩሉ ኢሮበታይ ብዝመረፆ ውዳበን ውልቀን ዝኸኣሎ መጠን ብምሕጋዙ ሞራላዊ ግዴታኡ ተዋፅዩ እዩ፤ ሐዚ እውን ይቕፅለሉ ኣሎ። ኢኣኣ ጎናጎኒ መኸተ ኮሮና መናእሰይ ኢሮብ ብናይ ባዕሎም ነፃ ድሌት ብዘይ ማንም ካልእ ቅስቀሳን ድፍኢትን ንሰሙን ምሉእ ዝዘከሩዎ "ዝኽረ ዕጡቓት ሰንበት" ዝተወሰነ ናይ ቲ-ሽርቲ ሓገዝ ገይሩ፤ እዙይ ድማ "ህዝቢ ኢሮብ ባህሉ፣ ማንነቱ፣ ታርኹን ቅርሱን ኣብ ምዕቃብን ምፍላጥን ዝገብሮ ፃዕሪ ምድጋፍ" ዝብል ዕላማ ኢኣኣ መሰረት ብምግባር እዩ።

እቲ ሓቂ እዙይ እናሃለወ፦ ገልኦም ብፍላጥ ገልኦም እኹል፣ ተመጣጣኒን እዋናዊን ሓብረታ ብዘይ ምርካቦም ሽም ኢኣኣ ኣብ ምፅላምን ምጥፋእን ይውዕሉ ከምዘለው ይፍለጥ። እዙይ ንምንታይ ኮነ? ሽም ኢኣኣ ንምፅላም ንምንታይ ተደለዩ? ንምንታይ ንዘይ ጠፍእ ኢኣኣ ንምጥፋእ ተሃቅኑ?

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሕቶታት ክምለሱ ዝኽእሉ ዝስዕቡ ሕቶታት ብምምላስ እዩ።

➤ ሓድነት ህዝቢ ብምጥንኻር ንሃለዋትን ድሕነትን ህዝቢ ኢሮብ ዝሰርሕ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ መን ንምንታይ ይፅላእ?

➤ ህዝቢን መሬትን ኢሮብ ከይምቀል፣ ህዝቢ ኢሮብ እቱ ክቡር መንነቱ ከይምንጠል ቆቃሕ ኮይኑ ለይትን ቀትርን ጂኦ-ፖለቲካዊ ሽርሕታት ኣብ ልዕሊ ዝከታተል ድርጅት ንምንታይ ሽም ናይ ምጥፋእ ዘመተ ይግበር?

ስለዙይ ሕድሕድና ነን ርእስና ሕቶታት ብሕቶታት ብምምላስ እቱ ዝተሓብአ ሓቂ ንረዳኣዮ።

ኮይኑ ግና፦ ሰኣን እኹል ሓብረታ ሽም ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዘፅልሙ ውልቀሰባት ብዝምልከት ሓላፊነት ክወስዱ ዘለዎም ኣባላትን ኣመራርሓን ኢኣኣ እዮም። ምክንያቱም ዕለማታትን እንታይነትን ኢኣኣ ናብ ኩሉ ክበፅሕን ክሰራጨውን ብግንባር ቀደም ክሰርሑ ዘለዎም ንሳቶም ስለዝኾኑ። ይኹን እምበር ምሕብሓብን ምጥንካርን ኢኣኣ ናይ ኩሉ ተወላዲን ፈታዊ ኢሮብን ጉዳይ እዩ። ዘለናዮ ኩነታት ህዝቢ ኢሮብን ጂኦ-ፖሎትካ ቐርኒ ኣፍርቃ ንዝከታተልን ንዝዐዘብን ጥንካሬ ኢኣኣ ውሕስና ህዝቢ ኢሮብ እዩ።

በዚ አጋጣሚ ንኩሎም ተወለድቲን ፈተውቲን ኢሮብ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዕላማታት፣ ተልኦኾን ራእይን ኢኣኣ ብዝግባእ ርእኹም ዝህልወኩም ሓሳባትን ሕቶታትን ብግልፅ ናብ ቅድሚት ብምውፃእ ብዝግባእ ንዛተየሉ፤ እዙይ ምስእንገብር ብ"እለን-በላ" ዝጠፍእ ሽም ኣይህሉን። ናይ ህዝቢና ሓድነትን ኢሂን ሚህንን ዘየሕጉሶ ኢሮብ እንተሊዩ ተሓጋጊዝና ንምከር፤ ዋላ ሓደ ኢሮብ ንጎኒ ኣይንግደፍ። ህልውና ኢሮበታይ ኩሉ ግዘ ብሓደ እምበር ተነፃፅሉ ኣይኾውንን። ንሕና ኢሮብ ብሓደ ወፍርና ኣብ ጦርነት ሜዳ ንዕወት፤ ብወፈራ ንተሓጋገዝ ንደጋገፍ እና፤ እቲ ዘሐዝን ግን ካብ ወፈራ መልስ ሓበራዊ ጠንካራ ውዳበታት (institutions) ናይ ምፍጣር ታርክ ብዙሕ የይብልናን። ስለዙይ እዙ ሓያልን በልሕን ህዝቢ ብፖሎትካዊ ርዕዮተ ዓለምን ግዘን ዘይተገደበ ዘመን ተሻጋሪ ሲቪላዊ ውዳበ ንኽንሃንፅ ንኢአአ ነጠናኽር።

መልእኽቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካ ውዳበታት ንትርከቡ ደቂ ኢሮብ፦

➤ ፖሎቲካዊ ውዳበታት ኩሉ ጊዘ ትሕቲ ህልውና ህዝብ ምዃኑ ፈልጥኹም ድሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኢሮብ ዝጎድእ ስራሕ ከይትሰርሑ ሓያል ጥንቃቄ ክትገብሩ ይግባእ

➤ ኣብ ሕድሕድ ዘለኹሙዎ ወዳበታት( ገዛኢ ኮነ ተወዳዳሪ) ጥቅሚ ናይ ዝወከልኩሙዎ ህዝቢ ክተኽብሩን ክትሕሉውን ይግባእ

➤ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽ ድማ ኢሮብ ብምዃንኩም ጥራሕ ዝግበአኩም መሰል ከይጠሓስኩም ድምፂኹም ኮይኑ ንመሰልኩምን ንፍትሕኩምን ይቃለስ

ኣብ መወዳእታ፦ ብሰሜን ብደቡብ፣ ብምዕራብ ብምራቕ ምስዝነብሩ ጎረባብቲ ህዝቢታት፤ ህዝብ ኢሮብ እቱ ልሙድን ስሙሪን ፍቕርን ሰላምን ብዝለዓለ መንገዲ ንኽቅፅልን ንኸጠናክርን ኢኣኣ እጃሙ ክዋፃእ እዩ። ጠንካራ ሲቪላዊ ውዳበ ህዝቢ ኢሮብ ንማንም ህዝቢ ስግኣት ክኸውን ኣይኽእልን፤ ሕብረትናን ሓድነትናን ንህላዌና እዩ።

ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን

ሓምለ 17፣2012 ዓ